Print this page

“ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፡ ዕርፊ ኣጽንዕ”

2021-05-15 12:13:45 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1116 times
Rate this item
(0 votes)

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ደንበ ተቓውሞና፡ ውረድ ደይብ ዘይተፈልዮ ጋና ኣብ ማዕረፊኡ  ንክበጽሕ ሓያል ጻዕሪ ዝሓትት መስርሕ እዩ። ናይቲ ቀጻሊ ውረድ ደይብ ምኽንያት ውሽጣውን ግዳማውን ምዕባለታት እዩ። እቲ ውሻጣዊ ምዕባለ ብደረጃ ሓደ ውዳበ ኣብ ውሽጡ ዝረአ ድዩ፡ ኣብ ነንሕድሕድ ውዳበታት ዝህሉ ርክባት ዝፈጥሮ ምዃኑ ክንመጸሉ ዝጸናሕና ጉዕዞ የረደኣና። እቲ ግዳማዊ እንብሎ ከኣ ናይ ርሑቕ ድዩ ናይ ጐረቤት ምዕባለ ኮይኑ’፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ከኣ ብፍላይ ዘይስገር ጽልዋን ተጽዕኖን ዘሕድር እዩ። እቲ ናይ ብቕዓትናን ጽንዓትናን ወሳኒ መዕቀኒና ግና ኣብቲ ኤርትራዊ መድረኻት  ዝረአ ምዕባለታት እዩ።

ብሓፈሻ ምምሕዳር ህግደፍ ምስ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ከካይዶ ዝጸንሐ ውግኣት፡ ብፍላይ ከኣ ምስ  ኢትዮጵያን ኣብ 1998-2000  ዘካየዶ ኣዕናውን ደማውን ውግእ፡ ኣብ ጉዕዞ ደንበ ተቓውሞና ዘሕደሮ  ተጽዕኖ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ደሓር ኣብ መንጎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ ኢስያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈጥረ፡ ዘይትካላዊ፡ ዘይህዝባውን ዘይግሉጽን ዝምድና ዝጻሕተሮ ህቦቡላን ኣብ ደንበ ተቓውሞና  ዘሕደሮ ተጽዕኖን ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። እነሆ ሎሚ ከኣ ካብቲ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን። ወዮ ዘይትካላዊ ዝበልናዮ ርክብ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘኸተሎ ውግእ ኣብ ትግራይ ይካየደ ኣሎ። ብሰንኪ ክቱር ኢሳያሳዊ ናይ ህውከት ህርፋን ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣብዚ ውግእዚ ኣትዩ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ክሳኣራታት የውርድ ኣሎ። ስለዚ ከኣ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝገደደ ሕሱም ኩነታት ኣብ ህዝብና ብምፍጣሩ፡ ደንበ ተቓውሞና ኣካይድኡ ክፍትሽ ዝያዳ ተጽዕኖ ዝፈጥር ኮይኑ ኣሎ። እቲ ጉዕዞ ደኣ ዝያዳ ኩርኳሕ ይኸውን እምበር፡ ካብዚ ኣሉታዊ ምዕባለዚ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ቃልሲ ብልሒ ስለ ዘሎ ቃልስና ከይቦኸረ  ክሳብ ዓወት  ክንቅጽሎ ኢና።

በዚ ናይ ማሕበራዊ መድያ ወረታት ተዓብሊኹ ዝኸይድ ዘሎ  ዝመስል፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ማዕበል ከይንውሰድ ክንጥንቀቕ ይግበኣና። ምጥንቃቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዓኡ ዝጸውር ውሽጣዊ ዓቕምን ስጥመትን ከም ሰልፍታት ወይ ውድባት ነፍሲ ወከፍና፡ ከምኡ እውን ብሓባር ከም ሓይልታት ተቓውሞ ከነጥሪ ክንበቅዕ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሓድነትናን ምቅርራብናን ንፋስ ዘእቱ እንተኮይኑ፡ ብቐሊሉ ኣብ ዘይኤርትራዊ ዛዕባ ናብ ዘየድሊ ኩርናዕ ክንውሰድ ንኽእል ኢና። ድሮኳ ኣብ ኣተሓሕዛቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብሓላፍነትን ብጥቃቐን እንተዘይኣሊናዮም ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ክምዕብሉ ዝኽእሉ ናይ ርኢቶ ፍልልያት ፈጢርና ኣለና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከጋጥም ካብ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤንን ምርሕሓቕን ንምድሓን፡ ሓደ ጉዳይ ክንድግፍ ወይን ክንቃወም እንከለና፡ ከምቲ “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፡ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝበሃል፡ እንምርኮሰሉ መትከላዊ መቖሚ ክህልወና ናይ ግድን እዩ። ንኣብነት “ነዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከመይ ንሓዞ?” ንበል። ነዚ ሕቶዚ ክንምልስ እንከለና፡ “ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራን ኤርትራዊ ረብሓን ዘይትንክፍዩ” ዝብል መመርኮሲ ንሓዝ ክንብል ንኽእል። ኣብ ክሊዚ ዝመጽእ ፍልልያት ናይ ኣተገባብራ ከኣ ኣብ ዙርያዚ መሰረታዊ ጉዳይ ንቓንዮ።

እቲ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ርኢቶ ጫፋት ከም መእርነቢ እንጥቀመሉ መመርኮሲ ወይ መወከሲ ከም ዕርፊ ኣጽኒዕና እንሕዞ መትከል እዩ። እዚ መትከልዚ ብሃታሃታ ዝመጽእ ዘይኮነ፡ ከከም ኣሰራርሓ ናይቲ ውዳበታት ብጉባአን ካለኦት ትካላዊ መዕቀንታትን ዝሓለፈ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ ከም ዕርፊ መሲልና፡ ኣጽኒዕና ንሓዞ ክበሃል እንከሎ፡ ትካላዊ ኣንፈቱ ከይሰሓተ፡ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ናብ ናይ  ሓሳባት እንካን ሃባን መኣዲ ዘተ ኣይቀርብን ማለት ኣይኮነን። ካብ መሰረቱ ክትለም እንከሎ እውን ናብ ናይ ርኢቶ ዕዳጋ ሒዝካዮ ወሪድካ “እዚ እዩ ናተይሞ ዓድጉለይ” እትብለሉ እምበር፡ ከም ውዱእ ወሲድካ ምስኡ ክነቅጽ እየ እትብሎ ወይ ንካለኦት እተመንግጎ ኣይኮነን።

ኣብ ሓደ ሰልፊ ኮነ ውድብ ወይ ኣብ መንጐ ሰልፍታትን ውድባትን ኣብ ዝኽፈት ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን መኣዲ፡ ኣብ ሓደ ጉዳይ ብዝተፈላለዩ ውዳበታት ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ከም ዝቐርቡ ርዱእ እዩ። ርዱእ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ርኢቶ ብቕዓት ካብቲ ዓቐን ክርከብ ስለ ዝኽእል ብዝሒ ኣረኣእያታት ጸጋ እውን እዩ። ምእንቲ ናይ ብሓቂ ጸጋ ክኸውን ግና፡ ክንድቲ ርኢቶኻ ተቐባልነት ክረክብ እትጽዕቶ ናይ ካለኦት ክትቅበል እውን ቅሩብ ምዃን የድሊ። ብኹሉ መለክዒ ካብቲ ናትካ ዝያዳ ዝሓይሸ ክሳብ ዝርከብ ግና ከምቲ “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፡ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝበሃል፡ ኣብ ዙርያቲ እምንቶኻ ምጽናዕ ነውሪ ኣይኮነን።  ብኣንጻርዚ ብየማነ ጸጋም ብዝነፍስ ህቦብላታት እንዳተወሰድካ ብዘይ ብሱል መስርሕ እንካን ሃባን ኣገዳስነቱ  ዘይተራእየካ ርኢቶ ብታህዋኽ ምርዓም ንተቐባላይ ኮነ ንወሃባይ ዘርብሕ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ዛዕባ ናትካ ርኢቶ ምሓዝ ናይ ዝኾነ ፈቓድ ዘይሕተሉ መሰል እዩ። ክንድቲ ዝኣመንካሉ ርኢቶ ናይ ምሓዝ መሰል ዘለካ፡ ብመርተዖ ዝተሰነየ ሓሳብካ ክትቅይር ዘገድደካ ሓቂ ክቐርብ እንከሎ ምቕባል ከኣ ክስገር ዘይግበኦ ሃናጺ ግደታ እዩ።

ኣብ ሓደ ጉዳይ ፍልልያት ከጋጥም እንከሎ እቲ መዋጽኦ፡ ምሉእ ብምሉእ ክትሰማማዕ ምኽእል ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ዝፈላልየካ ከም መፈላለይ መዝጊብካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ምናልባት እውን ዝበዘሓ ዝኸውን ሓሳብ ብሓባር ምጉዓዝ እውን ካልእ መዋጸኦ እዩ። እዚ ምርጫዚ በቲ ሓደ ወገን ብሰንኪ ፍልልያት ምግጣሙ ነቲ ጉዕዞ ዘይኮልፎ ምዃኑ ተመራጺ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሎሚ ዘይተራእየካ መሰማምዒ ሓሳብ ጽባሕ ንክኽሰተልካ ዕድል ዝህብ እዩ።

ኣብ ከምዚ ሎሚ ንሕና ንርከበሉ ዘለና፡ እሞ ናብ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ምቅላስ ክንወፍር እንከለና፡ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ኣካል “እዚ እዩ ናተይ” ዝብሎ ሓሳብ ሒዙ ክቐርብ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኣብቲ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርብ ሓሳባት ተመሳሳልነት ክህልው ናይ ግድነት እዩ። ምኽንያቱ ኩልና ካብ ኤርትራዊ ክውንነት ስለ እንነቅል። ካብዚ ሓሊፉ ግና ናተይ እትብሎ ርኢቶ ዘይብልካ፡ ምስ ካለኦት  ብኣካል ጥራይ ምስፍታን ሓጋዚ ኣይኮነን። በዚ ኮነ በቲ፡ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ዝነፈሰ እንተነፈሰ፡ ኣጽኒዕካ እትሕዞ ናይ ኣተሓሳስባ ዕርፊ ክህልወካ ዘይገሃስ መሰል እዩ።

Last modified on Saturday, 15 May 2021 14:16