Print this page

 ኣብ ክንዲ ከካብ ኩጀታትና ንመዓዳዶ!

2021-04-29 17:19:00 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1162 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ቅድሚ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ መሰረታዊ ዕማም ወጻዒ ስርዓት ኣወጊድካ፡ ልዕልና ህዝቢ ዘረጋግጽ፣ ብብዙሕነታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካእ እዩ። እዚ ጥቕሉል መግለጺ ናይቲ ዕማም ኮይኑ፣ ኣብቲ ናብዚ ንምብጻሕ ንጐዓዞ ዘለና መስርሕ ከኣ ሰፊሕ ዝርዝር ኣሎ።  ነቲ ዘይተርፍ ዓወትና ዘደናጉዮ ዘሎ ከኣ፡ እቲ  ገዚፍ ዕማም ዘይኮነ፡ እቲ  ኣብቲ ዝርዝር ዘሎ ዛዕባታት እዩ።

እዚ ውሑስ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ መስርሕ ዝሓቶ ጻዕርን ብብዙሕ መልከዓት ዝትመን ዘኽፍሎ ዋጋን ኣለዎ። ተመኩሮና ከም ዘርእየና ናይቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኽፍለን ዝኽፈል ዘሎን ዋጋ ቀንዲ ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ። ናይዚ ኣውራ ናይ ቃልሲ መሳርሒ ዝኾነ ምእዙዛት ኮይና፡ ነቲ ብመስዋእቲ ኣብ ዘውሓሳ ሃገሩ፡ ራህዋ ዝጸመኦ ህዝብና ከነርዊ ከኣ ከካብቲ ብዝተፈላለየ ኣወዳድባታት ተመዓዳዲና “ያላኻ” ንበሃሃለሉ ዘለና ኩጀታት ወሪድና፡ ኣብ ናይ ሓባር ባዕልና ዝመድመድናዮ መቃለሲ መድረኽ ክንራኸብ ክንበቅዕ ምርጫ ዘይኮነስ፣ ግድነት ምዃኑ ናትና ኢልና ክንግንዘቦ ይግበኣና። ብኸምዚ ኣገባብ ብሓባር ክንቃለስ ዝከኣል ክነሱ፡ ክሳብ ሎሚ ከም ዘይከኣልናዮ ክንእመን ይግበኣና። ብሰንኪ ነዚ ዘይምኽኣልና ዘይተደላይ ግዜ ነባኽን፡ ክኸፍል ዘይግበኦ ዋጋ ንኸፍል፡ ክነውሕ ዘይግበኦም ስቓይ ህዝብና ነንውሕ ከም ዘለና ከኣ ክስቆረና ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ነቒልና ከኣ ኣብ ክንዲ መመሊስና በቲ ዘየዕወተና መንግዲ ንዳኽር ተፈቲኑ ዘይወደቐ መንገዲ ዓወት ክንሕዝ ይግበና።

ከካብ ዘለኻዮ ኩጀታት ወሪድካ፣ ከም ዘዕውተካ ፍቱን ኣብ ዝኾነ ሰፊሕ መድረኽ ቃልሲ ምስላፍ ማለት ብዙሕ ዝተሓላለኸ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ሰብኣውን ነገራውን ዓቕምኻ ኣወሃሂድካ፡ ብኣተሓሳስባ ተወሓሒጥካ ሓቢርካ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክትፈጥር ምብቃዕ ማለት እዩ። ዝያዳ ንምብራሁ ዋላ ፍልልያት ይሃልኻ፣ እቲ ዝፈላልየካ ክንዲ ህልውና ሃገርን ራህዋ ህዝብን ዝስራዕ ስለ ዘይኮነ፡ ኣከኣኢልካዮ ንቕድሚት ምሕላፍ ማለት እዩ። “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ”  ከም ዝበሃል፡ ምእንቲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን፡ “እዚ ይትረፈኒ ዘይኮነ፡ እዚ ይጽነሓለይ” ክንብል ክንበቅዕ ናይ ግድን እዩ። ዋላ ንእሽቶይ ትኹን ነጸብራቕ ብዙሕነትና ዝኾነት ፍልልይ እንተሃለወትና’ውን፥  ክንተሓላሎን ክንጠማመትን ክንነብር ኣለና ኢልካ ምሕሳብ ዓዲ ዘየእቱ  ግጉይ ኣረዳድኣ እዩ።

ከካብ ዘለኻዮ ናይ ኣተሓሳስባ ኩጀት ወሪድካ፡ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ምርኻብ፡ ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ካብ ኮነ፡ ኣብዚ መዳይዚ ንከይንዕወት ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ዘይፍንቅሎ እምኒ ከምዘይህሉ ንገንዘብ። ኣይኮነንዶ ናትና ድኽመትን ሕመቕን “እነሆልካ” ኢልና ከም ገጸ በረኸት ኣቕሪብናሉ፡ ባዕሉ ኣንቂዱ  ብዘርሓሕቕ መርዚ ካብ ምምራዝና ድሕር ኣይክብልን እዩ። ብመሰረቱ እውን እኮ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጥን ጉጅለ ህግደፍን ዘሎ ምትሕንናቕ፡ ንሕና ኣንጻሩ ተቓሊሱ ዘድምዕ ዓቕሚ ምእንቲ ከነጥሪ  ክንሓብር፡ ንሱ ከኣ ነዚ ዘይምሕሮ ሓድነት ክብትን ዝፍሕሶ ውዲትዩ  ኢልካ ምግላጹ ዝከኣል እዩ። ምኽንያቱ ናትና ቀጻልነት ብዘለዎ፡ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየን ብትካላዊ መልክዕ ዝግለጽን ምሕባር ዕድመኡ ዘሕጽር ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ዝርደኦ እዩ። ዶባት እንዳሰገረ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ሕንኮም ዝቕንጠጡ ልኡኻት እንዳለኣኸ ዘዋፍሮ ኣዕናዊ ተግባር ቀንዲ ዕላማኡ፡ ነቲ ኣንጻሩ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ኩሉ ድሑር ስምዒታት እንዳጻሕተርካ ምብታኑ እዩ። ብናትና ድኽመት ብሓባር ምስራሕ ክንስእን እንከለና ከኣ’ሞ ንህግደፍ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ” እዩ።

ኣብ ኤርትራ ጉጅለ ኢሳያስን ጸረ ህዝቢ ትካላቱን እንከለዉ፡ ራህዋ ከምዘይመጽእ ቀደም ዝተዓጽወ ፋይል እዩ። ህግደፍ ወዮ ኣብ ኤርትራ ንዓለም ብዘስደመም ዘርጊሕዎ ዘሎ ኣብዚ ዘመንዚ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተራእዩ ዘይበሃል ወጻዒ ምምሕዳር ንምድልዳል፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት እውን እግሪ ከትክሎ ዳምዳም ከም ዝበለ ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ካብ ጐዳጉዲ ዓዲ ሃሎ ዝወጸለን ዓመታት ክንዕዘቦ ጸኒሕና ኢና። ከምቲ ዝደለዮኳ ዓዳጋይ እንተዘይረኸበ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ግና መማውቲ ናይ ምርካብ ተስፋ ዘለዎ ይመስል። እቶም ብጉርሒ ድዩ ብገርሂ ሃንደፍ ኢሎም ምስ ጉጀለ ኢሳያስ ዝምድና ዝደኮኑ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሰልሚ ተዋሒጦም ከምዘለዉ ንዕዘቦ ዘለና’ዩ። ነታ ንሱ ከም ቑርን ኣስሓይታን ዝፈርሓ ምርጫ፡ ኣብተን ሃገራት እውን ኣህጒጉ ንድሕሪት ክመልሳ ብዝኣለሞ ውዲት፡ ኣብተን ሃገራት እናሓደረ ዝጉህር ዘሎ ሓዊ መስካሪ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዓበይቲ ጌጋታት ፈጺሞም ተባሂሎም ብምሁራትን ፖለቲከኛታትን ይውቀስሎም ካብ ዘለዉ ተግባራት ሓደ፡ ዓይኖም እንዳረኣየ እዝኖም እንዳሰመዐ፡ ምስ ንኤርትራ ዘይኮነ፡ ዲክታተር ኢሳያስ ዝፈጠርዎ ዓይኒ መፍተሉ ዘይፍለጥ ዝምድና እዩ።

“ቋንጣን ስልጣንን ተንጠልጢሎም ኣይነብሩን እዮም። ሓደ እዋን እቲ ቋንጣ ካብቲ ዝተሰቕለሉ ወሪዱ ኣብ ሓዊ ተጠቢሱ ይብላዕ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዝተንጠልጠለ ከኣ ብህዝቢ ይወርድ” ይበሃል እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ከኣ “እቲ ሓደ እዋን እሞ መዓስ እዩ”? ዝብልዩ እቲ ሕቶ እምበር፥ ከይፈተወ ከም ዝውገድ ርዱእ እዩ። ስለዚ ናትና ሓላፍነት ነቲ ዘይተርፍ ናይ ውድቀቱ ግዜ ምቅልጣፍ እዩ። ኤርትራ ድሕሪ ኢሳያስ ዝሓሸት እትኾነሉ ባይታ ምምድማድ እውን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ናብ ጐረባብቲ ኣዋፊሩ፡ “ኤርትራ ሰላም እያ” ንምባል ምእንቲ ክጥዕሞ ፈቐድኡ ዘዋፈሮ ውግኣት ውጽኢቱ ብኣንጻርቲ ዝሓሰቦ ኮይኑ ውድቀቱ የቀላጥፍ ከም ዘሎ ንርእዮ ኣለና። ትማሊ ምስዚ ኩሉ ኣዝዩ ዝኸሓነ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ትግባራቱ፡ ንዓና እውን ብዘደንጸወና ምኽንያት፡ ንጭካነኡ ብዝምጥን ዓለም ተቕልበሉ ኣይነበረት። ሎሚ ግና “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ከም ዝበሃል፡ ኣብ ጥራይ መዓኮሩ ብዘርእዮ ጠብሎቕሎቕ ኣብ  ዓይኒ ብዙሓት ኣትዩ ኣብ ጸለምቲ መዛግብቲ ይምዝገብ እነሆ። ህልዊ ኩነታት፡ ነዓና ሓቢርካ ቃልስኻ ካብ ምቅልጣፍ ጀሚርካ ኩሉ ብኣና ዝዕመም ክንገብር ይጽወዓና ኣሎ። ስለዚ ብግብሪ “ከካብቲ ተሰቒልናዮ ዘለና ናይ ኣተሓሳባ  ኩጀታት ወሪድና፡ ኣብ ዝሰፍሐ መድረኽ ንራኸበሉ ግዜ ዝያዳ ቅድም ሎሚ ህጹጽ እዩ።

  

Last modified on Thursday, 29 April 2021 19:26