Print this page

ነቲ ጸገምና ናብ ጸጋና

2021-04-14 18:59:09 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1121 times
Rate this item
(0 votes)

“ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ጸገም እንታይ እዩ?” ኢልካ እንተ ሓቲትካ፡ ናይቲ ጸገም ዝርዝር ኣዝዩ ነዊሕ ስለ ዝኾነ፡ “እንታይከ ራህዋ ኣለዎ?” ኢልካ ምምላሱ እዩ ዝቐለለ። እቶም ወጽዓ ህዝብና   ምእንቲ ክውገድ ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ከኣ፡ ኣብ ርእሲቲ ጸገም ህዝብና ጸገምና ምዃኑ፡ ካልእ ነብሱ ዝኸኣለ ክፍታሕ ዝኽእል ክነሱ ዘይፈታሕናዮ ግድል ኣለና።  ናይዚ ግድልና ቀንዲ ማእከል  ብሓባር ክንቃለስ ዘይምብቃዕና እዩ።

ነዚ በበይንኻ ናይ ምኻድ ጸገምዚ ብሓባር ናብ ዘስርሕ ጸጋ ንምቕያሩ፡ ብዘይካ መፍትሒ ክትረክብ ቅሩብነት ምሕዳር እምብዛ ካልእ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍልና ኣይኮነን። ቅሩብ ክትከውን እንከለኻ ከኣ ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ህጹጽነት ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታትን ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። መሰረታዊ ህዝባዊ ጉዳያት ልዕሊ እቶም ናእሽቱን ሎሚ እንተዘይተላዒሎም ጉድኣት ዘየስዕቡን  ምስራዕ ይግባእ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ፡ ምእንቲ ዝዓበየ ዕላማ ከተዕውት ውልቃዊ፡ ጉጅላዊ፡ ሰልፋዊ፡ ውድባውን ናይ ማሕበርን ስምዒታትካን ድሌታትካን በቲ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን በሪኽ ዕማም ምቕናይ ናይ ግድን እዩ። ነዚታት ብልቢ ቀጻልነት ብዘለዎ ከየመሓደርካ ብጥሪኡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ “ቅሩብ እየ” እናበልካ ምጭራሕ ጥራይ ግን፡ ዓዲ ዘእቱ ኣይኮነን።

ንናይ ምርሕሓቕ ጸገማት ናብ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ጸጋ ምቕያር፡ ናይ ኩሎም እቶም “ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ጉዳይና ስለ ዝኾነ ይምልከተና እዩ” ኢሎም፡ ብዝመረጽዎ ኣገባብ ውዳበ ተሰሊፎም ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናት እምበር፡ ናይ ውሱናት ካብቶም ዝምልከቶም ሓላፍነት ኣይኮነን። ንሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምቅላስን ምስዓሩን፡ ካብ ዘለካ ባህግን ናይ ዓወት ህርፋንን “እዘን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን እንታይ ይገብራ ኣለዋ?” ዝብል ሕቶ ምስማዕ ልሙድ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ እዩ። ርግጽ እዩ እዘን ዝጠቐስናየን ኣካላት ነቲ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣቕጣጫ ናይ ምትሓዝ ሓላፍነት ስለ ዘለወን ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ናብኣተን ክቕሰር ቅቡል እዩ። ግና ድማ ቅድሚ ናብኣተን ኣጻብዕትኻ ምቕሳር “ኣነኸ ክሳብ ክንደይ ብሓሳብ ይኹን ብግብሪ እታ ዓቕመይ ይገብር ኣለኹ?” ብዝብል ሕቶ ምጅማር ኣዝዩ ተመራጺ እዩ። ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ተሳዒሩ እቲ ንብህጎ ለውጢ ንክመጽእ፡ ተወዲቡ ድዩ ከይተወደበ ብውልቁ ብዘየገድስ፡ ናይ ግድን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኣበርክቶ ዝሓትት እዩ። እቲ ዝያዳ ዝምረጽ ግና ውዳበ ሓይሊ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ዝመረጽካዮ ሰልፊ ድዩ ውድብ ምናልባት እውን ማሕበር ተወዲብካ ቀጥ ኢልካ ምቅላስ ምዃኑ ክርሳዕ ኣይግበኦን። “ኣበየናይ ኣተሓሳስባን ምስ ኣየናይ ውዳበን ክውደብ?”  ዝብል ሕቶ ክትምልስ እንከለኻ ከኣ፡ መጻኢኻ ዝውስን መሰረታዊ ስጉምቲ  ስለ ዝኾነ ምጥንቃቕ የገድስ።

ኣብዚ እዋንዚ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ገዲፍካ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣካል ሓቢርካ ምስራሕ መተካእታ ከም ዘየብሉ ይኣምን እዩ ኢልካ ምድምዳም ዘጸገም ኣይኮነን። ብኸመይን ምስመንን ይዛመድ እውን እቲ ተዛማዲ  ነናቱ “እዚ እዩ ዘዕውተና” ዝብሎ ርኢቶ ኣለዎ። ሸቶኡ ሓቢርካ ተቓሊስካ ንጉጅለ ህግደፍ ምውጋድ ካብ ኮነ፡ በቶም ተዛመድቲ ካብ ዝቐርብ ርኢታቶታ ኣዋጺእካ ንኹልኻ ዘማእክል  ናይ ሓባር መቃለሲ ባይታ ምርካብ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ግና ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ እታ ካብ ሓደ ናብቲ ካልእ ዝሓሸ መጻኢ መድረኽ እተሰጋግር  “ልባዊ ቅሩብነት” እንተልያ ጥራይ እዩ። እንካን ሃባን ተበሃሂልካ ናይ ሓባር መፍትሒ ናይ ምርካብ ቅሩብነት እንተዘየልዩ ግና፡ ዝኾነ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ  ዘይሰርሕ ሃናጺ ሓሳብ ይሃሉ፡ ኣብ ገንኢ ዝበርህ ሽምዓ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

እቲ ብሓባር ዘቃልስ ናይ ብዙሓት መድረኽ፡ ግንባር፡ ምጥርናፍ፡ ልፍንቲ፡ ምሕዝነት፡ ጽላል፡ እቲ ዝማዕበለ ከኣ ምሉእ ሓድነት ክኸውን ይኽእል። ካብዚ ኣየናይ መድረኽ ትመርጽ ካብ ዝውስኑ ረቛሕታት ኣብ ሕድሕድ እቶም ነቲ ናይ ሓባር መድረኽ ዝፈጥሩ ኣካላት ዘሎ ናይ ርኢቶ ፍልልይን ተመሳሳልነትን ዕምቆት እዩ። ኩሉ እዚ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መድረኻት ዕምቆቱን ክብደቱን ይፈላለ እምበር፡ በበይኑ ዝባኽን ዓቕምን ግዜን ኣሕቢርካ፡ ብጸላኢኻ ንዝምሃዝ ናይ ምክፍፋል ውዲት ኣምኪንካ፡ ኣብ ልዕልቲ ንምውጋዱ ትቃለሶ ዘለኻ ጉጅለ ህግደፍ ቅልጡፍን ንድሕሪት ዘይምለስን ድማዕ ንምምጻእ እዩ።

እቲ ዝምስረት ናይ ሓባር መድረኽ ሓንሳብ ምስ ተደኰነ ኣብ ዘለዎ ተገቲሩ ዝነብር ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣብ መስርሕ ብሓሳባት ተሳሒሉ እናማዕበለን እናሰሰነን ናብቲ ዝበረኽ ደረጃ እንዳደየበ ዝህብትም እዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝጥረ ተመኩሮ፡ ነቲ ቀጻሊ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ምዕራፋት ዝያዳ ኣድማዒ ይገብሮ። ከምዚ ንክኸውን ግና ናይቶም ተዋሳእቲ ነታ ቅድም ዝተበገሱላ ንእሽቶይ ዘሰማምዓቶም ርኢቶ ናይ ምዕባያን ነቲ ዓበይቲ ዝመስል ዝፈላሊ ሕሳባት ናይ ምጽባቡ፡ ካብ ህዝባውን ሃገራውን ሓልዮትን ተገዳስነትን፡ ዝነቅል ትብዓት ከጥርዩ የድሊ። ተወፋይነት ኣብ ዓውዲ ውግእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ናይ ሓሳባት እካን ሃባን መኸተ እውን ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ብግብሪ ምምስካር የድሊ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ መስርሕ ሓቢርካ ተኸኣኢልካ ምስራሕ፡ ካብቲ ምጅማሩ፡ በቲ ዝጀመርካዮ ሓዲድ ምቕጻሉ ዝያዳ ተወፋይነትን ኣኽእሎን ዝሓትት። ኣብዚ መዳይዚ ተመኩሮና እንተ ዳህሰስና እውን ነዚ እዩ ዘመልክተና።

Last modified on Wednesday, 14 April 2021 21:01