ግዜ፡ ኣይጽበየናን እዩ

2020-03-10 07:44:08 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1797 times

“ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ወይ “ግዜ ወርቂ እዩ” ዝብሉ ኣበሃህላታት ኣብ ባይታ ዘይወድቁ ዓብይ መልእኽቲ ዘመሓላልፉ እዮም። ሎሚ ብሓፈሻ ከም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ከም ተቓወምቲ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ቅድሜና ዘይስገሩ ዕድላትን ብደሆታትን ኣለዉና። እቲ ዕድል ህግዲፍ ብሰንኪ ዘይርጉእ ኣካይዳኡን ጸይቂ ተግባራቱን ዝፈጥሮ ዘሎ ንውድቀቱ ዘቀላጥፍ ተመዝማዚ ኣቕጣጫ እዩ። እቲ ብደሆ ከኣ ነዚ ጥጡሕ ኩነታት ንረብሓ ህዝቢ ከም ዝውዕል ቃኒኻ ተቓሊስካ ዘተኣማምን መሰረታዊ ለውጢ ከተመዝግብ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

ነቲ ብደሆ በዲህና፡ ነቲ ጽቡቕ ዕድል ኣደልዲልና፡ ናብቲ እንደልዮ ክንበጽሕ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ቅድመ-ተደላይነታት እቲ ቀንዲ እምነ-ኩርናዕ፡ ንፍልልያትካ ወጊንካ፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል፡ ስሙን ቅርጹን ብዘየገድስ፡ መጻኢ ዝጥምት ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክትፈጥር ምብቃዕ እዩ። እዚ ዓማምዚ ብኹሉ መዕቀኒ ክንሰግሮ ዘይንኽእል እዋናዊ ጠለብ እዩ። እዚ ሓቢርካ ምቅላስ ዘይስገር ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ዋላ ሓደ ካብ ኩልና ውድባት፡ ሰልፍታትን ካልእ ናይ ውዳበ መልክዕን በይንና ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኤርትራዊ ኩነታት ክንቅይሮ ስለ ዘይንኽእል እዩ። ብሓባር ምቅላስ ዓቕሚ ዝፈጥር ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ናይ መላእ ህዝብና ብፍላይ ከኣ ናይ መንእሰይና ናይ ተሳትፎ ሸውሓት ዘበርኽ እዩ።

ነዚ ዘይስገር ኣድላይነት ሓቢርካ ምቅላስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብክለሰ-ሓሳብ ደረጃ ኩልና ከም እንሰማመዓሉ፡ በብግዜኡ ዝወጹ ኣዋጃትናን መግለጽታትና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት እነስመዖም መድረታትን ምስ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ኣብ እንገብሮም ርክባትን ጐሊሑ ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ። እቲ ዘይተመለሰ ጽውጽዋይ ኮይኑ ዘሎ እምበኣር፡ ብኽንድቲ እነንጸባርቖ ክለሳ-ሓሳባዊ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ቅሩብነት፡ ብግብሪ እሞ ድማ ዘይምኽኑይ ግዜ ከይበላዕና ከነተግብሮ ዘይምብቃዕና እዩ። እዚ እዩ ከኣ “ኣካይዳኹም ናብ ሓቢርካ ምስራሕ ነቲ ንርከበሉ ዘለና ኤርትራዊ ህጹጽነት ዝምጥን ቅልጣፈ ዘለዎ ኣይኮነን” ዝብል ናይ ህዝቢ ሻቕሎት ዘሕድር ዘሎ።

ናይዚ ብኽለሰ-ሓሳብ እንዳተሰማማዕካ ቀልጢፍካ ዘይምትግባር ቀንዲ ጠንቂ፡ እንታይ ምዃኑ ዘሻቕሎም ኤርትራዊ ደለይቲ ጽቡቕ ወገናት፡ ነናቶም “ምኽንያት እዩ፡” ኢሎም ዝኣምንሉ ሓሳባት ከቕርቡ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ምናልባት እቲ ብኽለሳ-ሓሳብ ዝበሃል፡ ኣብ ገሊኡ ኣካላት ንከባቢኻ ንምምሳል እምበር ካብ ልቢ ዝነቐለ ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት ኣለዉ። እቲ ኣድላይነት ብሓባር ምቅላስ፡ መተካእታ ዘየብሉን እዋናውን ክነሱ፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ቅርሕንቲ ክወጹ ዘይከኣሉ ወገናት የደናጉይዎ ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ ዝብሉ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ካብዚ ብዝተፈልየ እቲ ምድንጓይ ውጽኢት ናይቲ ብሓባር ኣንጻሩ  ክንቃለስ እንተ በቒዕና፡ ዕድሜኡ ምሕጻር ማለት ምዃኑ ዝርዳእ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ዝፈጥሮ ዘሎ ስዉር ምትፍናን ከይከውን ዝሰግኡ ወገናት እውን ኣይተሳእኑን። እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ንምርዳእ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ርዱእ ኮይኑ፡ እዞም ዝተጠቕሱ ምናልባታትን ስግኣታትን ሸለል ዝበሃሉ ኣይኮኑን።

ኤርትራዊ ጉዳይና ሎሚ እውን ካብ ጠመተ ናይ ግዳም ሓይልታት ወጻኢ ኣይኮነን። ገሊኦም ንተፈጥሮኣዊ ጸጋ ሃገርና የማዕድዉ። ገሊኦም ድማ ምቹእ እስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ክርእዩ እንከለዉ የንባህቑ። ከምቲ ብፍላይ ኣብቲ ዝሓለፈ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣደራሻት ኤርትራ፡ ኣደባባያት ኢትዮጵያን ኣብያተ-መንግስቲ ሃገራት ዓረብን ኣብ ጉዳይ ልኡላውነትና ሓድሽ ናይ ምጥላዕ ድራማታት ብጋህዲ ክረአ ምስ ጀመረ፡ ከምቲ “ወዮ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ዝበሃል፡ እቲ ናይ ግዳም ሓይልታት ህርፋን ኣብ ኤርትራ መመሊሱ ይበራበር ከምዘሎ እንዕዘቦ ዘለና  እዩ። ናይ በዓል መንግስቲ ኤማራት መንቀሊኡን መዕረፊኡን ብዘይፍለጥ ስዉር ስምምዕ ኣብ ማእከል ሃገርና ወተሃደራዊ መደበራት ምኽፋት በዚ መንጽር ዝርአ ሓደጋ እዩ። ናይ ከም በዓል ታምራት ነገራን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን  ዘረባታትን ናይ ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት “ኢትዮጵያ ከየት ወዴት” ዘርእስታ መጽሓፍን፡ ዝኣመሰሉ ደግሲ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአዩ ኣይኮኑን።

እንተ ጉጅለ ህግዲፍ ነብሱ ስለ ዘይኣደበ፡ ካብ ምጽቃጥ ሓሊፉ ነቶም ንኤርትራ ክርእዩ እንከለዉ ዘንባህቑ ዓገብ ዝብለሉ ሞራል ክህልዎ እንጽበዮ ኣይኮነን። ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዘይመልእ፡ ኣብ ከተማ ጐንደር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኢትዮጵያ በዓል ጥምቀት ኣከባብራ፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዘርኢ ካርታ ብደረጃ ካርኒቫል ክቐርብ እንከሎ፡ ብኣካል ዝተዓዘበ እንበሳድር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሰመረ ርእሶም ድምጹ ኣየስመዐን። በዚ ዝተተባብዑ ወገናት፡ ኢትዮጵያዊ ደራፋይ ቴድሮስ ካሳሁን (ቴዲ ኣፍሮ) ብ22 ለካቲት 2020 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካይዶ ሙዚቃዊ ኮንሰርት ከሰናድኡ እንከለዉ፡ ኤርትራ ከምቲ ናይ ጐንደር ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ኮለል ኣቢሉ ዘርኢ ካርታ ብባዴራ ኢትዮጵያ ኣመላኺዖም ከቕርቡ እንከለዉ ጉጅለ ህግዲፍ ምዩቕ ኣይበለን። እኳ ደኣ ኣካላቱ  ኣብኡ ክጭድሩ ሓዲሮም።

እዚ መልከዓቱ እንዳቐያየረ ዝመጽእ ዘሎ፡ ህግዲፍ ዝመረቖ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተርእዮ ክዕጸፍ ዘለዎ እዩ። እዚ ከኣ ናትና ናይቶም “እምቢ ልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን፡ ዋጋ ስዉኣትና እምበር፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝወርድ ንብረት ህግዲፍ ኣይኮነን” ኢልና ንቃለስ ዘለና ሓላፍነት እምበር፡ ወዮ ባዕላቶም መንገዲ ጥፍኣት እንዳመርሑ ህግደፍ ወይ ደቀመዛምርቱ ክዓሙልና እንጽበየሉ ኣይኮነን። እዚ ጉዳይ ከምቲ “ቆርበት ብርሕሱ፡ ቆልዓ ብንእሱ” ዝበሃል፡ ብዓንተቦ ሓይልና ኣወሃሂድና እንቃለሶ እምበር ኣራጢጥና ዘይተደላይ ግዜ ነባኽነሉ ኣይኮነን። ግዜ ከኣ ብግቡእ መልክዕ ተታሒዙ ኣብቲ ምቹእ ኩነታት እንተዘይተጠቒምናሉ ዘይቅየር ዋሕዙ ሓልዩ ሓላፋይ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ምቹኣት ብሓባር ተቓሊስካ ናይ ምዕዋት ዕድላት ኣባኺንና ኢና። ናይቲ ምብኻን ሳዕቤን ከኣ ኣብ እንግደዓ ኩላትና ዘሎ ጥዕሳን ስንብራት እዩ። ሕጂ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕድል ከኣ፡ ነቲ ዝባኸነ ግዜ ምላስ ዘይኮነ፡ እቲ ዘጣዕስ ተመኩሮ ንኸይድገም፡ በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ግዜ ክንጥቀም ክንበቅዕ ጥራይ እዩ።

Last modified on Tuesday, 10 March 2020 08:46