መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣማኑኤል ኢያሱኸ ቐጠር ድያ መበገሲቱ

2019-11-30 09:09:12 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1925 times

“ሓሳውስ ምስክሩ የርሕቕ” ይብል ምስላ ኣበው። ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ መበል 29  ዓመት ቁ.76 ናይ ዕለት 28 ሕዳር 2019 ሕታማ፥ ኣብ ዘውጸኣቶ ጋዜጣዊ መግለጺ”ዕብዳን ቐጠርን ውጥን ኲናት 2019ን” ብዝብል ዝጸሓፈቶ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ እዩ።

“ቐጠር፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ካብ መሬት ሱዳን ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ተበግሶ ብዛዕባ ዝነበረት ተጻብኦታት ዝተዋህበ መግለጺታት ዝዝከር’ዩ። ሱዳን ከም መድረኽ ሽበራዊ ሸርሕታት እናጸበበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎናዮ ዓመት፡ ዕብዳን ቐጠር፡ ኣሸቀልታን ከደምታን እናዓረገ ስለዝኸደ፡ ሓድሽ ውጥን ቐጠር፡ እዚ ስዒቡ ዘሎ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ሰነድ’ዩ።

እቲ ውጥን፡ ኣብ’ዚ 10 ነጥብታት ከይተሓጽረ፡ ናይ ምብራቕ ሱዳን “ቀቢላዊ ምንቛት” ዘጠቓልል’ውን እዩ።

  1. ፖለቲካውያን መራሕቲ ተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራ ብምእካብ፡ መሳርዖም ኣስሚርካ ምድጋፎም።
  2. ኣተኲሮ ናብ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣንጻር ስርዓት ኤርትራ ምንዕዓቦም፡ መሳርዖም ከኣ ምውዳብ።
  3. ካብ እስላማውያን ተቓወምቲ ንስርዓት ኤርትራ ብምጥቃም፡ ኣብ ውሽጦም ሃይማኖታዊ ክብርታት ብምዝራእ/ብምስራጽ፡ ሃይማኖታዊ ቅኒት ምህራም፡ ንኣስላም ኣንጻር ካልኦት ምንዕዓብ።
  4. ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቀቢላዊ ጽልኢ ምዝራእ።
  5. ጽርግያ ኤርትራ፡ ኣንጻር ስርዓት ኤርትራ ተቓውሞታትን ኣድማታትን ምእንቲ ኪገብር፡ ንምድፍፋእ ምፍታን።
  6. ንስርዓት ኤርትራ ዝቃወሙ ሓይልታት “ኣል’እኽዋን ኣልሙስልሚን”፡ ኣብ ዓውዲታት ነተጒትን ምውዳድ ድብያታትን ቅትለት ኣገደስቲ ሰባትን ምስልጣኖም፡ ምድጋፎምን ምድላዎምን። ካብኡ ናብ ኤርትራ ሰዲድካ ስርሒታት ከምዝፍጽሙ ምግባር።
  7. ናይ ስርዓት ኤርትራ ጸለውቲ መራሕቲ ምቕንጻል።
  8. ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ከባቢታት ምዕናው።
  9. ተጻባኢ ዜና ምጽዓቕ።
  10. ኣብ ውሽጢ ኣህጉራዊ ውድባትን ናይ ወጻኢ ሃገራትን፡ ንፍጹም ስእነት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሃገረ ኤርትራ ምግዋሕን፡ ሰነዳትን ቪድዮታትን ምስናቖምን። ዓጀብ ዘብል ውጥን!

(እቲ ንምብራቓዊ ሱዳን ዝምልከት “ቀቢላዊ ምንቛት”ን ዝርዝራቱን፡ ኣብ ቀጻሊ መግለጺታት ክቐርብ’ዩ።) ዓወት ንሓፋሽ! ሚኒስትሪ ዜና ኣስመራ - 28 ሕዳር 2019”

ቅድሚ ገለ መዓልትታት ኣብ ሱዳን ንናይ ዓሊ ቢታይ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተገብረሉ ሕክምናዊ ወጻኢታት  ንወጻኢ ከይዱ ከምዝተሓከመ  ዜናታት ሱዳን ገሊጸነኦ ነይረን። ስዒቡ ድማ ገለ ውድባት እቲ ቀደም ኣብ ኣስመራ ብጉዳይ ናይ ምብራቓዊ ሱዳን ዝነበረ ናይ ሰላም ስምምዓት ዝተፈራረሙን ብኡ መሰረት ከምዝጎዓዙን እውን ተወሳኺ ዜና ተዋሂቡ። ስርዓት ኢሰያስ ብኹሉ ጎድንታቱ ደጊም ኣብ ናይ ተስፋ ምቚራጽ ምእታው ዘርኢ ምልክታት እዩ።

ቅድም ክብል ንኹሉ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ክሳድ መንግስቲ ኣመሪካ ብምውራድ እንታይ ዘይበለ። ንእስራኤል ውን ሓንሳብ ሸበብ ኣቢሉዋ ነይሩ። ሎሚ ድማ ኣንጻር ቐጠር ዛዝዩ ነዚ ልዕል ኢሉ ብመግለጺ መልክዕ ወጺኡ ዘሉ ክኸስስ ይርከብ። ንምዃኑ እዚ ጨቛኒ ስርዓት እዝስ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕን መከራን ጨኾናንከ እዞም ከም መፋወኒ ዘቕርቦም ዘለዉ ዲዮም ከምኡ ግበር ኢሎሞ? ወይ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕን ጭፍጨፋን ብርግጽ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕን ዝሰርሕን ኮይኑ ዲዩ ዝስመዖ ዘሎ? ብሓቂ ዘስደምም እዩ።

እቲ በብግዚኡ ንስልጣኑ ዘናውሕን፥ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጎብለል ኮይኑ ክዕንትርን ብማለት ዝገብሮ ዝነበረ ምትኹታዃት ኩሉ ምስ ፈሸሎ ኣመሪካ ዘርያትኒ፥ ኢስራኤል ሰልያትኒ፥ ቐጠር ደገመትኒ ክብል ለይቲ ምስ መዓልቲ የህተፍትፍ ኣሎ። እዚ ናይ ምብራቕ ሱዳን ቀቢላዊ ምንቛት ንሱ ባዕሉ ንጨቛኒ ስርዓት ዑመር በሺር ከዳኽም ክብል ዝፈጠሮ ክንሱ፡ ከመይ ኢሉ ኢዩ ናብ ቐጠር ዘሳብቦ ዘሎ።

እቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገረ ኤርትራ ዘይረኸቦ ሓለፋታትን ብጥሙይ ከብዱን ጥራይ ዝባኑን ፥ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድቃስ ዝኸልኡ ተቓወምቲ ውድባት እናዓንገለ ኣብ መሬት አርትራ ዝሕብሕብ ዝነበረ ረሲዕዎ ድዩ ንቐጠር ዘላግበላ። መን ድዩ ናይ ቅንጸላታትን ሽበራን ተግባራት ዘካይድ ዝነበረን ዘሎን? ርሑቕ ከይከድና ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ንናይ ኣሰና ረድዮን ተለቪዝዮንን ልሳን ውጹዕ ህዝቢ ኮይና እተቃልሕ ዘካይድ ኣማኑኤል እያሱ ኣብ ልዕሊኡ ዝተሃቀነ መጠቃዕቲ ቐጠር ዲያ ፍሒሳቶ ወይ ኣሊማቶ?

ስርዓት ኢሰያስ እምበኣር ንስልጣኑ ክብል ዝገብሮ ሽበራዊ ስርሓት፡ ወዮ ደኣ ህዝብና ምስማዕ ኣብዩ እምበር፡ ሎሚ ዝጀመሮ ዘይኮነስ ከሎ ገና ብግስ ከይበለ ንመቓልስቱ እንዳበልዐን ንተጋደልትን መሪሕነትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እናቐንጸለ፡ ዝመጸ ባእታ ኢዩ። እዚ ናይ ፈራሓት ስጉምቲ እዚ ነቲ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ተቓዋሚ ሓይሊ ንምርዓድን፥ ንምሽቚራርን ዝፍጽሞ ዘሎ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

እወ! ነዚ ከምዚ እኩይ ስራሓት ከካይድ ዝሕግዞ ምኽንያት ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እዚ ሓይሊ ተቓውሞ ጥርኑፍ ስለዘይኮነ፡ በብሓደ ስጉምቲ ምስ ዝወስድ ኩሉ ይርዕድን ይፈርህን ዝብል ሓሳብ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ድማ ደጋፍን ተቓዋምን ኣብ ንሓድሕዱ ክተፋነንን ክተሃራረምን ሓድነት እቲ ህዝቢ ላሕሊሑ ምስምማዕ ክስእን ዝምህዞ ዘሎ ውጥን እዩ። እንተኾነ ኢሰያስ ኣይተረደኦን እምበር፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ተግባራት ነቲ ደምበ ተቓውሞ መሊሱ ከም ዘደልድሎን ክጠራነፍን እዩ ዝገብሮ እምበር፡ ርዒዱን ፈሪሁንሲ ንመሰሉ ህይወቱ እውን ክሕልፍ ድሉው ምዃኑ ይዝንግዖ ኣሎ።

ደጊም ደምበ ተቓውሞ ነዚ “መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ” ዝበሃል ምስላ፡ እንቋዕ ደኣ ሞት ኮይኑ ኣይመጸ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሓውና ተቓላሳይ ኣማኑኤል እያሱ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ንኽሓስብን፥ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ክበላሓትን ዘበራብርን ዝሕብርን እዩ። ሎሚ ኩሉ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን፥ ምንቅስቓሳትን ናተይ ናትካ ምባል ገዲፉ ናይ ሓባርና ኢሉ ሓደ ንኹሉ ዝሓቊፍ ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ብዝቐልጠፈ ክምስረት ኣለዎ።

Last modified on Saturday, 30 November 2019 10:11