“ወደንያ ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን”

2019-10-19 08:49:31 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1573 times

ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓይኒ ግዳማውያን ወጺኡ ኣይፈልጥን እዩ። ቃልስና ቀልጢፉ ኣብ ዓወት ከይበጽሕ’ሞ ህዝብና ጻማኡ ከይረክብ ካብ ዘደናጉዮን ዝሓላልኾን ምኽንያታት እዚ ናይ ግዳም ዘይቅዱስ ኣእዳው ሓደ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብቲ ብቐጥታ ናጽነትና ክንረኽበሉ ዝግበኣና ዝነበረ ግዜ ኣርበዓታት፡ ኣብ ጠለብ፡ ትጽቢትን ባህግን ህዝብና ዘይነበረ፡  ፈደረሽን ዝቖረኑና ምኽንያት ናይ ግዳም እስትራተጅያዊ ረብሓ ዝፈጠሮ ኢድ ኣእታውነት ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኣብቲ ካብ ወጽዓን መግዛእትን ናጻ ክንወጽእን ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክልን ዘካየድናዮ ናይ ሰላሳ ዓመታት ነዊሕን መሪርን ቃልሲ እንተኾነ እውን ናይ ደገ ኣእዳው ውጥም ቅልቅል፡ በብግዜኡ መልክዑ እንዳቐያየረ ከምዘይተፈልየና እንዝንገዖ ኣይኮነን። እዚ ናይ ግዳም ኣእዳው ብቐጥታ በቶም ኣብቲ ጉዳይ ረብሓ ዝብህጉ ግዳማውያን  ዘይኮነ፡ ነዚ ብዝምጥን ኢድ ኣዙራዊ ዝትግበር ዝነበረ ምዃኑ  ካልእ ሓቂ እዩ።

እዚ ኢድ ኣእታውነት’ዚ ንሓንሳብ ክብ ንሓንሳብ ድማ ለጠቕ እንዳበለ ዝጐዓዝ ምቹእ ግዜ እንዳመረጸ ገሃድ  እዩ። እቲ ንዝተወስነ ግዜ ድምጹ ናይ ምጥፍኣሉ ምኽንያት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድህላል እዩ። እዚ ሓደገኛ ንኤርትራን ህዝባን ናይ ምዕማጽ ሓደጋ ዘይግሉጽነት ንዝተወሰነ ግዜ ኣድብዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ ክልተ ዓመታት በቲ ናይዚ ዛዕባዚ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕሉል ተዋሳኢ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ህዝብና ብዘይተጸበዮ ኣቕጣጫ ደበኽ ኢሉ። ክሳብ ሎሚ ከኣ መመሊሱ እናገደደ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዝተፈላለዩ መርዛማት ሓረጋት ክነቱግ ዝጸንሐ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ወስታታት፡ እነሆ ሎሚ ከኣ ንውሱናት ኣዋርሕ ሃዲኡ ምስ ጸንሐ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ናይ ኤርትራ ውክልና ወሲዶም ኣብ ኣደባባይ ብስም ኤርትራ ክምድሩ ሰሚዕናዮም።

ከምዚ ብምዃኑ ከኣ በቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ኢሳይያስ ኣዝዩ ኣሰካፍን ጠላምን ሃቐነታት  ክሻቐል ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዳግማይ ነዲሩ ናይ ቁጠዐ ድምጹ የስምዕ ኣሎ። ነድሪ ጥራይ ዘይኮነ ዝተወሰኑ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ “ኣብዘይ መንጠቢትክን ኣይተእትዋ ኢድክን” መልእኽቲ ልኢኸን። እቲ ናይ ቁጠዐን “ዓገብ”  ምባልን ድምጽታት በዚ ጠጠው ዝብል ከምዘይከውን ከኣ ፍሉጥ እዩ። ብኽምዚ ኣገባብ ናይ ስምዕታ ድምጽኻ ምቅላሕ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ከምቲ “ወደንያ ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ዝበሃል ምስላ ወለዲ፡ እንቲ ቀንዲ ጠንቅን ናይ ከምዚ ዓይነት ክሕደት ሃንዳስን፡  ህዝብን ሃገርን ኣሕሊፍካ ንምሃብ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ደቂሱ ዘይሓድር፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዘይተዓወተን ንመጻኢ እውን ናይ ምዕዋት ግምት ዘይወሃቦ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስን ዝመርሓሉ ዘይዕቱብ ኣተሓሳስባን ምዃኑ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ኢሳይያስ ወኪሉኒ’ዩ” ዝበለ፡ ንብኩራት ናይቲ ዲክታቶር ንምኽዋል እምበር፡ ዝወከሎ የለን ዝብሉ ድሕሪዚ ኩሉ ምልክታት እውን ካብዚ ዲክታቶር ዘይቀበጹ ወገናት ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፎምም ንምትህድዳእን ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኩራ ብሰንኪ ካብቲ ንዶ/ር ኣብይ ዝተዋህበ ናይ 2019 ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ዘይምክፋሉ ንምእባድ ዝተባህለ እዩ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ኢሳይያስ ደኣ ክልተ ኣንበሳድራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቐሚጡ ከብቅዕ ከመይ ኢሉ ከምኡ ይገብር ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። እዚኣቶም ንቡር ኣሰራርሓ ዝፈልጡ፡ እንተኾነ ኢሳይያስ ካብ ንቡር መንገዲ ካብ ዝወጽእ ነዊሕ ግዜ ከም ዝገበረ ዘይተረድኡ ደለይቲ ጽቡቕን ልዕልና ሕግን እዮም።  

ነቶም ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ንኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ምርሕና፡ ወክለና፡ ክልቲኡ ህዝቢ ሓደ እዩ፡ ከምዚ ዝብለኩም ዘለኹ ንቓለዓለም ዘይኮነ ካብ ልበይ እየ” ክብል ዝሰማዕናዮ ኢሳይያስ ነዚ ክሕደት ኣይውዕሎን’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ደሓር ከኣ እንተደኣ ዘይወከሎ ክነሱ “ወክለኒ ኢሉኒ” ይብል ሃልዩ “ኣነ ኣይወከልኩዎን” ከይብል መንዶ ከሊእዎ እዩ። ወይስ ከምቲ ንምትላል “ህግዲፍ መልሲ ናይ ምሃብ ባህሊ የብሉን” ዝበሃሎም ክብሉና እዮም። ስለዚ ነቲ ኩነታት በቲ “ሰሚዕካ ስቕ ምባል ሓደ መልክዕ ናይቲ ዝተባህለ ምቕባል’ዩ” ዝብል ተረድኦ ወሲድካ፡ ኢሳይያስ ወክለኒ ኢልዎ እዩ ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። ደሓር መዓስ እዚ ጥራይ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስኮ ካብ ቀደም ጀሚሩ ንኤርትራ ኣረኪቡ መራሒ ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ምዃን ሃንቀውታን ሕልምን ከም ዝነበሮ ባዕሉ ዝነገሮም ሰባት ምስክርነቶም ክንሰምዑ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳይያስ ካብዚ እኩይ ዓላምኡ የዕንቅፉኒ’ዮም ዝበሎም ንጹሃት ኤርትራውያን እንዳወሓጠ ዝመጸ ሰብኣይ እዩ። ስለዚ ኢሳይያስ ጥጡሕ ግዜ ዝጽበ ዘሎ እምበር ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ ድሕር ከምዘይብል ፍሉጥ እዩ። እቲ እንኮ ናይዚ መድሃኒት ከኣ ከይቀደመና ምቕዳሙ ጥራይ እዩ።

ስለዚ ከምቲ “ንዓኻ እንተዝይንዕቁ ማዕጾኻ ነይንቕንቑ” ዝበሃል፡ ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ዲክታተር ኢሳይያስ ፍኹሰትን ዘይረዊ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ህርፋንን እንተዘይርድኡ፡ ኣፎም መሊኦም  ነዚ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ዝግህስ ቃል ኣይመስምዑን። ብኸምቲ ዝተገልጸ ናብ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ  ብምልኣኽ ናይ “ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኢዶም ከየእትዉ”  ምሕጽንታ ምቕራብ እዋናዊ መዕገሲ ኮይኑ፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ግና ነቲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ፈኸም ዝብል ዘሎ ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ሓደጋ ካብ ሱሩ ምብርቋቕ እዩ። እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ከምኡ እንተዘይኮኑ ግና እቲ ኣተሓሳባ ክሳብ ዘይደረቐ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን እውን መልክዑን ተዋሳእቱን እንዳቐየረ ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ።

Last modified on Saturday, 19 October 2019 10:56