ቱርኪ ወተደሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ኣመሪካ ጸዊዓ

2019-10-12 10:13:25 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2064 times

 

 

ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ዝርከብ ከተማ Image

 

ቱርኪ ነቲ ኣንጻር ኩርዳውያን ንእትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ፡ ኣሜሪካ ጸቕጢ ክትገብር ጻውዒት ይቀረብ ኣሎ።

ጸሓፊ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ማርከ ኣስፐር፡ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ኩርዳውያን እትወስዶ ዘላ ወደሃደራዊ መጥቃዕቲ "ሓደገና ሳዕቤን ከስዕበላ" ምዃኑ ሓቢሩ።

ጸሓፊ ተሓዝ ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቨን ሙኒቺን'ውን ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ሓዲሽ እገዳ ክንበር ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።

ሰራዊት ቱርኪ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብቲ ዓሪዶምሉ ዘለው ቦታ ክወጽኡ ድሕሪ ምእዛዙ'ዩ እቲ ወግእ ተወሊዑ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መንጎ ቱርክን ኩርዳውያንን ሰለማዊ ዘተ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ።

እንተኾነ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን፡ እቲ ወደሃደራዊ ስጉምቲ ክቕጽል ምኳኑ ሓቢሩ። ኩርዳውያን ብወገኖም፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝተወስደ ውሳነ ምስሓብ ሰራዊት ኣሜሪካ ''ከም ጥልመት'' ከምዝርእይዎ ገሊጾም።

ኩርዳውያን ሓይልታት፡ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ሶርያ ኣብ ጐኒ ኣመሪካ ብምስላፍ ኣንጻር ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ክዋግኡ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኮባነ ዝብሃል ቦታ ዓስኪሩ ዘሎ ሓይልታት ኣሜሪካ፡ ዓርቢ ምሸት ካብ መዳፍዕ ቱርኪ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ወሃብ ቃል ፐንታጎን ገሊጹ። በቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ግን ዝወረደ ጉድኣት የለን።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት ሓደ-ሚእቲ-ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ሰሜናዊ ሶርያ ከም ዝተፈናቐሉ ገሊጹ።

እቲ ብሮቡዕ፡ ብሰራዊት ቱርኪ ኣንጻር ኩርዳውያን ሓይልታት ዝተፈነወ ወታሃደራዊ ስርሒታት ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት እቲ ውድብ ጠቒሱ።

ዛጊት፡ 11 ሰላማውያን ሰባትን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዕጡቓትን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ንኩርዳውያን ሓይልታት ኣውጺእካ ''ውሑስ ዞባ'' ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ክብል ይገልጽ።

ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣሻቂሉ ዘሎ ግና፡ ሃለዋት እቶም ብሓይልታት ኩርዲ ተማሪኾም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ተሓዪሮም ዝርከቡ ኣባላት ዳዕሽን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት ዕጨኦም እንታይ ክኸውን'ዩ ዝብል እዩ።

እቲ ብኩርዳውያን ተቓለስቲ ዝቘመ ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፡ ካብ ኣጋር ሰራዊት ቱርክን ደብዳብ ነፈርትን ሓያል መጥቃዕቲ ይገጥሞ ከምዘሎ መዕከናት ዜና ዓለም ይሕብራ።

ክሳብ ሕጂ፤ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኩርዳውያን ሓይልታትን ብቱርኪ ዝደገፉ ዕጡቃትን ክሞቱ እንከለው፡ ሓደ ወተሃደር ቱርኪ ከምዝሞተን፡ ሰለስተ ካልኦት ከም ዝቆሰሉን ሰራዊት ቱርኪ ሓቢሩ።

በቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰለማውያን ሰባት ገዛውቶም ራሕሪሖም ይሃድሙ ከምዘሎው ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

Last modified on Saturday, 12 October 2019 12:17