Print this page
Saturday, 22 November 2014 14:13

‘’ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ’’ ጽማቝ ናይቲ ብሓው ተስፋኣለም ኣርኣያ ዝቐረበ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ

Written by ምምሕዳር ፓል ሓርነት
Rate this item
(0 votes)

 

ብዕለት 15-11-2015 ሓው ተስፋኣለም ኣርኣያ ኣባል ኤምዲሰመ ኣብ መስኮት ሓርነት ብዛዕባ ‘’ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ’’ ዝብል ኣርእስቲ ሕዙ፣ ነቲ ብዛዕባ እዚ እነልዕሎ ዘሎና ኣርእስቲ በዘን ውሑዳት ሰዓታት ኣብዚ መስኮት እዚ ተረኺበ ክገልጽን ኣብ ምሉእ ምርድዳእ ክንበጽሕን ዘድሃበ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ መባእታዊ ፍልጠት ክንውንን ዕለት ብዕለት ክንዛተየሉ ስለዘሎና ነታ ብውልቀ መላኺ ትግዛእ ዘላ ሃገርና ጽባሕ እንኽተሎ ናይ ህዝባዊ ስርዓት ክንቅርበሉ ዝኣመተ እዩ።

ዲሞክራሲ  እትብል ቃል ካብ ቋንቋ ግርኽ ዝመንጨወ ኮይኑ ትሩሙ ድማ ስልጣን ናይ ህዝቢ ክኸውን ከሎ ደቂ-ሰባት ብሓባር ክነብሩ ካብ ዝጀመሩ ክጥቀሙላ ዝፈተኑን ጌና እውን ዝፍትኑ ዘለዉ፡ ማለት ኣብ መስርሕ ናይ ምትርጓሙ ዝርከቡን ዝተፈኣለየ መግለጽን ብሽም ዲሞክራሲ ከኣ ዝተፈላለዩ ኣገጋባብ ምምሕዳር ወይ ስልጣን ምጭባጥ ርኢናን ንሕና ኣውን ከም ህዝቢ ናብኡ ንምብጻሕ እንቃለስ ዘሎና እና።

ስለዚ ብዙሓት ፍላስፋታት ብዛዕባ ዲሞክራሲ ጽሒፎም ጌና ይጽሕፉን ይማጎቱን ይዛተዩን ሓሳብ ንሓሳብ የነጽጽሩን ኣለዉ። ክቕጽሉ እውን እዮም። ንሕና እውን ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዘለና ፍልጠት ዝተመዓራረየዶ እዩ? ንዝብል ሕቶ መልሱ እሱ ነይሩ እንተዝኸውን ከምዚ ዘለናዮ መልክዕ ኣይምሃሎናን ዝብል እዩ ዝስዕብ። ምስክርነቱ ከኣ ሓቢርካ ዘይምስራሕን ኣብ ናይ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ንምብጻሕ ዘይምብቃዕና ዝሕብር ምልክት እዩ። እምበኣርከስ እስከ ብዛዕባ ዲሞክራስን የዕንዱን ክንዛተ ንፈትን። ከም ኣርእስቲ ኣብ ክልተ ክመቕሎ ክፍትን እየ። ይብል ሓው ተስፋኣለም።

1)     ዲሞክራሲ እንታይ እዩ ዝብል ሎሚ ከቕርቦ እየ።

2)    እቲ ካልኣይ ድማ ኣየኖት እዮም የዕኑድ ዲሞክራሲ ዝብል ከኣ ኣብ ዝመጽእ ከቕርቦ ክፍትን እየ።

እምበኣርከስ ሎሚ እቲ መሰረታዊ  ዲሞክራሲ እንታይ እዩ? ዝብል ብሕጽር ዝበለ ንምምላስ ከም ኣርእስቲ ሰፊሕን ካብ ጥንቲ ዝመጸን ጌና እውን ዓለምና በቢወገኑ እትጥቀመሉ ዘላ ስለዝኾነ ከምቲ ኣቕዲመ ዝጠቐስክዎ በብዓይነቱ መጻሕፍቲ ዝተጻሕፈን ጌና እውን ዝጸሓፍ ስለዘሎ ካብ ዘተ ናብ ዘተ ዝሰጋገር ዘይነጽፍ ስነሓሳብ ዝውሕዝ ስለዝኾነ ንሕና ሎሚ ምሸት ክንትንክፎ ድኣምበር መዕለቢ ክንገብረሉ ዘይከኣል እዩ። ይኹን እምበር ብወገነይ ብሕጽር ዝበለ ኣብቲ ንዓና ዘሪኢ ወይ ዘድህብ ምእንቲ ክንኣቱ ‘’ዲሞክራሲዊ ለውጢ’’ ንብል። ትሕዝትኡ እንታይ እዩ? ዲሞክራሲ ማለት ከምቲ ዝብልናዮ ስልጣን ናይ ህዝቢ ካብ ኮነ መንስግስቲ ብህዝቢ ዝቖመ ማለትና እዩ። መንግስቲ ክበሃል ከሎ ግን ኣብ ዓለምና ብዙሕ ዓይነት መንግስታት ነይሮምን ኣለዉን ንምጥቃስ፡ ንግስነት፡ ኣውቶክራሲ ስልጣን ብሓደ ሰብ ዝውነን ውልቀ መላኺ፣ ፕሉቶክራሲያዊ (Plutocracy) ሃብታማት ዝጸልውዎ ዝትከል ስርዓት (Theocracy)ካብ ሰብ ንላዕሊ ዝመጽእ ተባሂሉ ሃይማኖታዊ መንግስቲ ንኣብነት ኣብ ኢራን ዘሎ መንግስቲ ከም ንጉሳን ብእግዚኣኣብሄር ዝተመርጽኩ ዝብሉ ዝነብሩ ከም ንጉስ ሃይለስላሴ …ወዘተ። ኣሪስቶክራክሲ -መኳንንቲ ካብ ወለዶ ንወለዶ ዘውርስዎ መንግስቲ ።

ኦሊጋርኪ ብሒደት ወይ ነኣሽቱ ጉጅለ ስልጣን ዝሕዙሉ ዓይነት መንግስቲ፣ ወይ ከኣ ውሑዳት ምሁራት ኢና ዝብሉ ናይ ፈሊጥ መንግስቲ እዝኦምን ከምኡ ውን ኣልኦት ዓይነት ስልጣን ንምሓዝ ዝመሃዝ በብዓይነቱ ክንሰሚ ምኸኣልና፡ ግንከ እቲ ንዓና ዘድልየና ዘሎ ወይ ኣትኵርና ክንዛተየሉ እንደሊ ኣንጻር እዞም ዝጠቕስክዎም ስርዓታት ዲሞክራሲያዊ ስልጣን ወይ ከኣ  ስልጣን ናይ ህዝቢ ኮይኑ፣ ካብኡ ተቐቢልካ ናብ ዋንኡ ምምላስ ዝብል እዩ።

ዓይነት መንግስቲ ብብዝሒ ዝዝረበሉ ኣብ ግሪኽ ዝተጀመረ እዩ ዝበሃል፣ ግን ኣብኡ እዃ ብንጹር ይጀመር እምበር ብቕድሚኡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለማት እውን ይፍተን ምንባሩ ይሕበር እዩ። ንኣብነት ኣብ ሜዞፖታምያ ዝነቐለ ተባሂሉ ይዝረብ እዩ። ይኹን እምበር ከም መወከሲ ኣብ ግሪኻዊት ከተማ ኣተነ  ከተማዊ ምምሕዳር ኣብ ኣደባባይ፣  ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ተኣኪቦም ይዛተዩን ይማጉቱን ደሓር ኣብ ውሳኔ ይበጽሑን፣ ነዚ ውሳኔ ዘመሓድሩ ይመረጹ። እዚ እውን ቀጥታዊ ዲሞክራሲ ይበሃል እምበር ዘይምሉእ እዩ ነይሩ።

ካልእ ቀጥታዊ ዝበሃል ብረፈረንዱም ህዝባዊ ውከሳ ኣብ ኣገደስቲ መሰረታውያን እርእስቲ ዝኾኑሉ ኩሉ ዜጋ ዝሳተፈሉ ማለት ህዝባዊ ወኸሳ ዝሓልፉ ኣለዉ። ንኣብነት ከም ቅዋም ክተጽድቕ ከለኻ ወይ ኣብ ቅዋም ዘሎ ሕጊ ደምሲስካ ካልእ ክተስፍር ምስ ዝድለ ንዝቢ ተወኪስካ ተቐባልነቱ ተረጋግጽ። ኣብዚ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዘይቀጥታዊ ሓደ ዲሞክራሲኣዊ መንግስቲ ዝቐውም ብዘይቀጥታዊ ወይ ብውክልና እኻ ባይቶ ተቕውም። ካብኡ ከኣ ፈጻሚ ኣካል ይመጽእ። ናይ ፈራዲ ኣካል ግን ናቱ ኣገባብ ኣመራርጻ ኣለዎ።ርእሰ ምምሕዳር ስለዘለዎ እዚ ኮይኑ ዲሞክራሲ ወይ መንግስቲ ኣብ ዲሞክራሲ 1.ብሓጋጊ 2. ፈጻሚ ኣካል (መንግስቲ) 3. ፈራዲ ኣካላት ዝቐውም እዩ።

እዚ ዓይነት ኣጋባብ ኣሰራርሓ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ካብ ክፍለ ዘመናት እናማዕበለ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ክንካፈሎ ህርድግ እንብለሉ ዘሎና ምዃኑ እዩ።

 ኣብዚ ክዝክሮ ዝደሊ እቶም ዓይነት መንግስቲ ኣቐዲመ ዝጠቅስክዎም እናወደቑን እናጠፍኡን ክኸዱ ከለዉ (ስርዓት ኢሳያስ እውን ካብ ሱሩ ተበንቍሩ ከም ዝጠፍእ እናዘከርና) ዲሞክራሲያዊ መንግስታት ግን እናበዝሓን እናጠጠዓን እየን ዝመጻ ዘለዋ።  ኣብ ዲሞክራሲያዊ መንግስታት ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣቋውማ ዘለዎም ኣለዉ። ንምጥቃስ ዝኣክል ፡ ረፑብሊካዊ መንግስቲ ህዝባዊ ብሓጺሩ ህዝቢ ዝማእክሉ ማለት እዩ።

ከምኡ እውን ንማለቱ ንጉሳዊ መንግስቲ ተባሂሉ ግን ስልጣን ካብ ህዝቢ ዝቕበልን ናብ ህዝቢ ዝመልስን ብቅዋም ዝመሓደሩ መንግስታት እውን ኣለዉ። ከም ሃገር እንግሊዝ በልጁም፣ ሉክስምበርግ፣ ስፐይን ወዘተ…፤ካልኦት ጨናፍር ይ መልክዓት እውን ኣለዉ  ክኾኑ ይኽእሉ ተባሂሉ ዝጸሓፍ ከምኡ ዝትንተን ዓይነት ዲሞክራሲያዊ መንግስታትን ውን ኣለዉ። ንምጥቃሱ ዝኣክል፣ ሊበራል ዲሞክራሲ፣ ስሾል ዲሞክራሲ፣ ኣናርኪ ዲሞክራሲ፣ ስርዓተ ኣልቦ ወይ እትገብሮ ስለ ትፈልጥ ኣዛዝን ተኣዛዝን ዘይብሉ ኩሉ ብዘይ ጎደል ግቡእካ ምፍጻም ኢሎም ዝትርጉምዎ ኣለዉ፤ ክምኡ እውን ሕንፍሽ ፍሽ ሓላፍ ዘላፍ ዘተኣታቱ ጎዳኢ ዓይነት እውን ዝብልዎ ኣለዉ። እዚ ግን ዘካትዓና ዘይኮነስ ብዛዕባ ዲሞክራሲያዊ መንስቲ  ብዙሕ ከምዝዝተየሉን ዝጸሓፍን ንምትንባህን ንምፍላጡን እለ ዘልዕሎ እዩ። ሓንቲ ብዝሐ ውድባት  መንግስቲ ተባሂሉ ዝቐውም ከም ኮንሰንሰስ ዲሞክራሲ  ሓብራዊ ስምምዕ  ዝጥቀማሉ ኣገባብ መስርሕ ኮይኑ ሓደ እንተ ደኣ ተጻሪሩ ውሳኔ ከምዘይሓልፍ ወይ ዕድል ናይ ቨቶ ተቓውሞ እተቑመሉ እዩ። እዚ ኩሉ ጫለዳታት ዝምጽኡ ከብ ምምናው ስርዓተ ዲሞክራሲ ወይ ድኽመት ኣሰራርሓ እሎም ዝገልጽዎ ኣለዉ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ኣብዚ ምዕቡል ሃገራት ዝዛተዩሉን ዝንየቱሉን ንምጥቃስ ካብ ኮነ ንሕና ወይ ንዓና እቲ ናይ ሓቂ ዘድልየና ክንጥቀም እንተደኣ ኮይና ክንፈልጥን ባዕልና ክንውስንን ምእንቲ ድልየትና ክነማልእን፡ ምሉእ ሓላፍነትን እኹል ፍልጠትን ምዕሩይን ብቕዓት ኣብ ምህናጽ ዲሞክራሲ ክህልወና ይግባእ።

ረብሓ ዲሞክራሲ ተቐባልነትን ኣብ ዘየድሊ ነጻግነትን ዝጠቅም ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ንሱ ዝውክሎ ተኣማንነትን፡ ተቖጻጻርነት ተወክሳነትን ኮታ ዲሞክራሲያዊ ሚዚናት ዘለዎ እሩም ኣሰራርሓ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝምዕብል እወንታዊ ኣሰራርሓ ክንመሃሮን ክንዛተየሉ ዝግበኣና ሰፊሕን ዓብን እዩ።

ነዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ዝቃወሙ ወይ ንዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዘነኣሱ ዘይቅርጥው ዝሑል ስርሑ ነዊሕ ግዜ ዘቃጽልን ንምዕባሌ ዝገትእ ቅልጡፍ ውሳኔ ዘይወስድ ከም ናይ ንግስነት ወይ ውልቀ መላኽነት ዝብሉን ኣብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ምልኪ ክጥቀምን ተረርቲ ውሳኔታት ኣብ ርእሲ ህዝቢ ክወስድ ዝደፋፍኡ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ክመጽእ ስለዝኽእል ህዝብታት ቁሩባትን ትኩራትን ፍልጠቶም ላዕሊ ክኸውን እዩ ዝጥለብ። ሕጂ ተመሊስና ኣብ ደምበ ፍትሒ እንተርእና ብዙሓት ውድባት ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ፣ ሲቪላዊ ማሕበራት፣ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ፣ መራኸቢ ብዙሃን፣ ምህላወን ቂር ዘብል እዩ። በዚ ፍልልያት እዚ ናይ ኣወዳድባና እውን ብዙሕ ስኽፍታት ስለነሕድር እዚ እንታይ ኣድለየ ኣብ ዘብል ብዙሕ ክትዓት ነቐፈታታት ክወርድ ትሰምዕ እኻ።

 እዚ ስክፍታትት ከምዘለዎ ሃልዩ እቲ ምብዛሕ ዘይኮነስ ዲሞክራስን ዲሞክራሲያውነትን ተረዲእና ናይ ሓባር ስራሕ ከንተኣታቱ ምስ እንጅምር ኣብ ስራሕ ዝነቐለ ምትእምማን ተፈላሊኻ ዝነበርካ ኣብ ሓደ ምምጻእን ቅድም ብልፍንቲን፣ናይ ሓባር ስራሕን ናብ  ሓደ ውድብ ምብጻሕ ፣ዝተረፈ ኣብ ሓደ ጽላል ኮንካ ካብ ሒጂ ጀሚርካ ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ምስ ተጀመረ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ክንሃንጻ እንደሊ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ስጡም ምቅርራብ ነተኣታቱ። ስለዚ ትርጉም ዲሞክራሲ ምፍላጥ ዓንድታቱ ኣነጺርካ ምርኣይን ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ እቲ ምብዛሕ ዘይኮነስ  እቲ ሽግር ተወዲብካ እንታይ ትገብር ምስ ከማኻ ተወዲቦም ዝለዉ ብኸመይ ተዛቲኻ ብእንካን ሃባን ናይ ሓባር ስርሓን ሓደ ንኽሉ ዘጽልል ጽላል ኣብ ምህናጽ ትዋሳእ ካብ ኮነ እቲ ድሌት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክትከይድ ስለዘለካ ንዲሞክራሲ ምፍላጡን ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ልዑል ተሳታፍነት ይህልወካ ማለት እዩ።

ካብዚ እቲ ትሕዝቶ ሰሚናር ሰፊሕ ብምንባሩ ግዜ ስለ ዝበልዐ ኣድሚናት ንዝለዓል ሕቶታት ኣብ ዝመጽእ  ግዜ ምስቲ ካልኣይ ክፋል ተተሓሒዙ ክሕተት ብዝብል ንካልእ መዓልቲ ተሰጋጊሩ። ኣብ ክንዲ ሕታቶት ድማ ተወሳኽን ርእይቶታትን ተኣትወ፣ እሞ ዕድል ንገዛ ተዋህበ። ካብቲ ገዛ ዝወርድ ዝነበረ ድማ እዚ ብሓቂ መሃርን ትምህርቲ ሓዘል ምንባሩ እናመስከሩ ከምዚ ዝዓይነቱ ዓውደ መጽናዕቲ ክቕጽል ተላብዮም። ምስናይዚ ኣገዳስን ጠቃምን ርእይቶታት ነቲ ኣብ ኤርትራ ክህነጽ ዘለዎ ዲሞክራሲ ኣብ ባህልና ዝተመርኮሰ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክንሃንጽ ምእንቲ ባህልታትና ናይ ኣቦታት ተመኩሮ ሃገርናን ብዘይካ እዚ ገባቲ ስርዓት ዘተኣታተዎ  ውልቀ መላኽነት ዋላ ብግዜ ገዛእቲ ሕግታት እንዳ ኣባ ከም ዝነበረና ሕጋዊ ቅዋም ኣብ ፈደረሽን በቲ ሽዑ ዝነበረ ባይቶ ዝጸደቐ ይስርሓሉ ከም ዝነበረ ብምዝርዛር  እንተ ደኣ ሓቢርና፣ ነዚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሱሩ ቦንቍርና ኣውጺእናዮ ብምቅርራብና፡ ባህልታትና ብምምርኳስን ንዓና ዝኸውን ቅዋም ክንሃንጽ ከም እንኽእል ዝብል ርእይቶታት ይፈስስ ነበረ።

በዚ መልክዕ ወይ ኣጋባብ ኣብ ሰዓቱን መደቡን፣ፓል ሓርነት፣ንዝመጽእ ቆጸራ ብምሃብን ንኹሉ ተሳታፋይ ብፍላይ ከኣ ንኹቡር ጋሻ ብምምስጋን ደምደመ።

 

 

ምምሕዳር ፓል ሓርነት

Read 7852 times Last modified on Saturday, 22 November 2014 14:17