ስምፖዚየም ወተሃደራዊ ቀረብን መራኽብን ኣፍሪቃ ተኸፊቱ
ቤት ዝሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ስፖዚየም ወተሃደራዊ ቀረብን መራኸብን ኣፍሪቃን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብ27 ሓምለ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ። ነዚ ስፖዚየም ዘዳለዉ ሚኒስተራት ምኽልኻል ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ምዃኖም ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ኣብዚ ስፖዚየም ካብ 40 ሃገራት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ዲፕሎማትን ፖለቲከኛታት ከም ዝተሳተፉ ካብቲ ቦታ ዝወጸ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።
እዚ ን5 መዓልታት ዝጸንሕ ክፍለ-ኣህጉራዊ ርክብ፡ ኣብ ዝርጋሐ ብቑዕ መርበብ ኢንተርኔትን ተክኖሎጂን ከምኡ’ውን ኣብ ምፍጣር ብቕዓት ዞባዊ ኣዊዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተኩር እዩ። ሚኒስተር መክልኻል ኢትዮጵያ ኢንጂነር ዓሻ መሓመድ ኣብቲ መኽፈቲ እቲ ሲፖዚየም፡ ኣብዚ ኣፍሪቃ ብብዙሕ ቅልውላዋት ትሕመሰሉ ዘላ ተሃዋሲ ግዜ ምኽፋቱ፡ ኣገዳሲ ናይ ምትሕብባር መድረኻት ከም ዝኸፍት ኣመላኪታ።
ብዘይካዚ እቲ ሰፊሕ መድረኽ ሲፖዚየም፡ ኣገዳሲ ናይ ምትሕግጋዝ፡ ምሕዝነትን ምልውዋጥ ተመኩሮን ዕድል ከም ዝኸፍት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዘሎ ጸገማት ካብ ምጽብጻብ ሓሊፉ ብደረጃ ኣፍሪቃ መፍትሕታት ዘምጽእ ክኸውን ከም ዝግበኦ እታ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ዝጠቐሰት እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ዜና እቲ ሲፖዚየም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኣብ መንጎ ኣሚሪካን ኢትዮጵያን ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ዘመልክት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣፍሪቃ ካብቲ ዘጋጥማ ዘሎ ወተሃደራዊ ጸገማት ንክትወጽእ ብቑዕ ወተሃደራዊ ቀረብን ዘመናዊ መራኸብን ምስ ሕድሕድ ምውህሃድን ክህልዋ ከም ዝሕግዝ ምጥቃሱ ተመልኪቱ።
ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኢርቪን ማሲንጋ ብወገኑ፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ሲምፖዚየም ታሪኽን ኣቀማምጣን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምምዕባል ዞባን ክፍለ-ኣህጉር ኣፍሪቃን ግደ ከም ዝጸንሖ ጠቒሱ፡ ወተሃደራዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምስንዳእ እቲ ሲምፖዚየም ንዝገበሮ ኣስተዋጸኦ ኣመስጊኑ። ኣገዳስነት ወተሃደራዊ ቀረብ ኣትሒትካ ከም ዝረአ ጠቒሱ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ግና ኣመልኪቱ።
እዚ ወተሃደራዊ ሲምፖዚየም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየደ ዘሎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ቀጻሊውግእ ኣብ ዝተጸምደሉን ምስ ትግራይ ከኣ ኣብ ዝለዓለ ምፍጣጥ ኣብ ዝሃለወሉ ምዃኑ ከኣ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑሎ።

