ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ደቡብ ሱዳን ብ4 መስከረም 2026፡ ብመሪሕነት ፕረሲደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ከቢድ ጸገም ስለ ዘለዉ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዜጋታቱ፡ ክመልስ ወሲኑ። እቶም ብህጹጽ ዝምለሱ ኣስታት 20 ሺሕ ኮይኖም፡ ምስ ተመለሱ ምስ ሕዝቦም ኣራኺቡ ብቐዋምነት መሰረታዊ ጠለባቶም ኣማሉኡ እግሪ ከትክሎም ከም ዝኾነ ካብ ጁባ ተሓቢሩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ነዚ ዝወሰነ፡ ብናይታ ሃገር ሚኒስተር ሰብኣዊ ጉዳያትን ጸገማትን ምምሕዳር ኣልቢኖ ኣኮል ንህጹጽ ምምላስን ምጥያስን ኣብ ግብጺ ዘለዉ ደቡብ ሱዳናውያን ዜጋታት ብዝምልከት ብዝቐረበሉ እማመ መሰረት ምዃኑ ናይታ ሃገር ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።
እቲ ኣኼባ ሚኒስተራት ነዚ መደብ መተግበሪ ዝኸውን 26.5 ሚልዮን ዶላር በጀት ዘጽደቐ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብጠቕላላ ኣስታት 100 ሺሕ ደቡብ ሱዳናውያን ኣብ ግብጺ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘለዉ ኣብ ካይሮ ኤምባሲ ደቡብ ሱዳን ምሕባሩ’ውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ነዚ ናይ ምምላስ መደብ ንምስራዕ ብፍላይ ከኣ ንኣገባብ መጐዓዝያን ኣመዘጋግባን ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ግብጺ ንምዝርራብ ላዕለዋይ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ቀረባ ናብ ካይሮ ከም ዝኸይድ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ግብጺ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ 1.1 ሚልዮን ምዝጉባት ስደተኛታት፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ሺሕ ኤርትራውያን ክህልዉ እንከለዉ ዜጋታተይ ኢሉ ዝግደሰሎም መንግስቲ የለን። ስርዓት ህግደፍ ብኣንጻሩ ምስ ገለ ግብጻውያን ወገናት ተመሳጢሩ ኣገዲዱ ክጨውዮም እዩ ዝጽዕር።


ኢትዮጵያ “ዘየድሊ ሰብ (persona non grata)” ብዝብል ኣንበሳደር ኢጣልያ ኣብ ሃገራ፡ ሰሳመ ፋብሪዚ ቅድሚ 10 መዓልታት ከም ዝሰጐጐት ዝተፈለላያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። እቲ ኣንበሳደር ዝተሰጐ ኣብ ኢትዮጵያ 10 ኣዋርሕ ጥራይ ድሕሪ ምጽንሑ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።