ሶማሊያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ገለልተኛ ኢየ ኢላ

ሶማሊያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ገለልተኛ ኢየ ኢላ

 ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘሎ ወጥሪ፡ ሃገሩ ገለልተኛ እምበር፡ ኢዳ ከምዘይተእቱ  ከም ዘፍለጠ ኣገልግሎት ዜና “ስካይ ነውስ (sky news)” ሓቢራ። እቲ ፕረሲደንት ኣተሓሒዙ ከኣ መቃድሾ ምስ ክልቲአን ሃገራት ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ሶማሊያ ምእንቲ ዞባዊ ሰላም ኩሉ ትኽእሎ ዘበለ ክትገብር ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጡ።

ፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብቲ ብ30 ጥቅምቲ 2026 ምስ ስካይ ኒውስ ብዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ ሶማሊያ ናይቲ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣካል ኮይና ከምዘይትፈልጥ ኣብሪሁ፡ ኣብ መጻኢ እውን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ናይ ምእታው ድልየት ከም ዘየብሉ ኣፍሊጡ።

ኣተሓሒዙ ድማ “ምስ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ጽቡቕ ዝምድና ክሳብ ዘለና፡ ኣብ መንጎአን ዝተፈጥረ እንተተፈጥረ ንዓኣተን ዝምልከት እምበር፡  ሃገሩ ኢድ እተእትወሉ ምኽንያት የለን” ዝብል ሓሳቡ ኣስፊሩ። ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያ ሶማሊያ ምስ ጐረባብታ ሃገራት፡ ብሰላም ሓቢርካ ብምንባር፡ ብምርድዳእን ምትሕብባርን ዝምራሕ እዩ ክብል እውን ብተወሳኺ ገሊጹ።

ቀዳምነት መንግስቲ ሶማሊያ፡ ዘቤታዊ ምርግጋእ ምፍጣርን ምምዕባል ሃናጺ ዝምድና ምስ ካልኦት ወገናትን እዩ ምስ በለ፡ መቃድሾ ኣካል ናይ ካለኦት ጸገም ኣይክትከውንን እያ ክብል እውን ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ ኣብ ተደጋጋሚ ዙርያታት ንሶማሊያ ወተሃደራት ከተሰልጥነላ ዝጸንሐት ኮይና፡ ልዕሊ 3 ሺሕ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከኣ ኣካል ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃ ኮይኖም ኣብ ሶማሊያ ከምዘለዉ ዝዝከር እዩ።