ዓለም ለኻዊ ልኡኽ፡ ሃገራት ኢደን ካብ ሱዳን ክስሕባ ጸዊዑ

ዓለም ለኻዊ ልኡኽ፡ ሃገራት ኢደን ካብ ሱዳን ክስሕባ ጸዊዑ

ተሳተፍቲ ኣኼባ ምምኽኻር ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ጀነቫ

ወከልቲ ዝያዳ 20 ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ብ21 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘካየድዎ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሃድእ ጸዊዖም፡ ብዛዕባቲ መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ሰባዊ ቅልውላው ከኣ ከም ዘጠንቀቑ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ።

ኣብዚ 6ይ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ቀንዲ ቆላሕታ ዝተዋህቦ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብኣተሓባበርነት ኮንፈደረሽን ስዊዘርላንድን ቤት ጽሕፈት ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳንን ዝግበር ናይ ሰላም ተበግሶታት ንምውህሃድ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ኣብቲ ኣኼባ ናይ ስዊዘርላንድ ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣለክሳንደር ፋሰልን ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱሳዳንን ነቲ ምምኽኻራዊ ርክብ ኣወሃሂደምዎ። ካልእ ናይቲ ኣኼባ ተልእኮ ዝተፈላለዩ ኣብ ጉዳይ ሰላም ሱዳን ዝነጥፉ ዘለዉ ኣካላት ዘካይድዎ ምንቅስቓሳት ምስ እዋናዊ ጠለባት ሰላም ህዝቢ ሱዳን ከም ዝሰማማዕ ምግባሩ ኮይኑ፡ ነቶም ብደረጃ ጉጅለታት በበይኖም ኣብ  ሱዳን ሰላም ንምምጻእ ጻዕሪ ከካዱ ዝጸንሑ ኣዕጊብካ ብሓባር ከም ዝቕጽሉ ምኽኣሎም’ዩ።

ወከልተን ናብቲ ኣኼባ ዝለኣኻ ሃገራት፡ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ፡ ቻድ፡ ቻይና፡ ጅቡቲ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ኢትይዮጵያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኬንያ፡ ሊቢያ፡ ነርወይ፡ ኳታር፡ ሩሲያ፡ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ስዊዘርላንድ፡ ቱርኪ፡ ኡጋንዳ፡ ሕቡራት ዓረብ ኤመረትስ፡ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካን እየን። ካብ ዞባውን ዓለም ለኻውን ትካላት ከኣ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢጋድ፡ ዓረብ ሊግን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እውን ኣካልቲ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ምንባሮም እቲ ዜና ጠቒሱ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ዘእትዉ ዘለዉ ሃገራትን ካለኦት ተዋሳእቲ ኣካላትን ውግእ ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ እቲ ኣኼባ ጸዊዑ፡ ብፍላይ ከኣ ዕሱባት ናይ ወጻኢ ተዋጋእቲ ካብ ምውፋርን ንውግእ ዝውዕል ገንዘብን ኣጽዋርን ካብ ምቕራብ ክቑጠቡ ተማሕጺኑ።

ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጸገማት ብውግእ ከምዘይፍታሕ ብምጥቃስ፡ እቶም ተዋጋእቲ ኣካላት ውግእ ኣወጊዶም ብቕንዕናን ሓላፍነትን ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡን ምእንቲ ሰብኣውነት ዘለዎም ተገዳስነት ክብርኽን ጸዊዑ። እቶም ነቲ መድረኽ ዘዳልዉ ኣቲ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ በደላትን ዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ሰብኣዊ ቀረብን ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስቦም ኣብቲ ኣኼባ ኣንጸባሪቖም። 7ይ ምምኻራዊ ኣኼባ ኣብ ጉዳይ ሰላም ሱዳን ከም ዝቕጽል ከኣ ተሓቢሩ።