ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዝምድና በቲኻ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ስግኣቱ ገሊጹ

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዝምድና በቲኻ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ስግኣቱ ገሊጹ

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከም ዘቋረጸት ብ1 መስከረም ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ። ሕብረት ኣፍሪቃ ከኣ በቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ዝሓደሮ ስግኣት ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ።

 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መገለጺኡ ነቲ ኢትዮጵያ ከም ምኽንያት መዕጸዊ ኤምባሲኣ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኢዳ  ኣእትያ ዝበለቶ ክሲ ነጺግዎ። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ 10 ኤርትራውያን ዲፕሎማት ዋላ’ውን ወኪል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስጓጓ ከሲሱ።

እቲ መግለጺ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ህውከት ንምጽሕታርን ልኡላውነታ ንምግሃስን ብቕሉዕ ክእውጅ ከም ዝጸንሐ ኣቃሊዑ። ብዘይካዚ ኢትዮጵያ ጸረ መንግስቲ ኤርትራ ተቓወምቲ ወተሃደራዊ ጉጅለታት ተዕጥቕን ተስንቕን ከም  ዘላ ከሲሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ካብ ምቁራጽ ካልእ ምርጫ የብላን ኢሉ።

እዚ መገለጺ ብኤርትራ ዝወጸ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኤምባሲኣ ዓጽያ 10 ኤርትራውያን  ዲፕሎማት ከም እትሰጉም ምስ ኣፍለጠት ድሕሪ ናይ ሰዓታት ፍልልይ እዩ።

እዚ ከምዝሉ እንከሎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ በቲ ሓደ ወገን ኢትዮጵያ በቲ ካልእ ወገን ከኣ  ኤርትራን ግብጽን መመሊሱ ይዓርግ ዘሎ ወጥሪ ዘሕደረሉ ስግኣ ንምግላጽ፡ ብ1 መስከረም 2026 መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ናይቲ ኮሚሽን ናብ ሰለስቲአን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾና ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ፡  ህውከት ካብ ምግዳድ ንክቑጠባ  ኣተሓሳሲቡ።

ኣተሓሒዙ እቲ ሕብረት ኣብ ሕድሕድ ሃገራት ዘሎ ናይ መራኸቢ መስመራት ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰለቲአን ሃገራት ዘለወን ፍልልያት ብመሰረት ኣማኻሪ ተግባር ሕብረት ኣፍሪቃ ብዲፕሎማሲያዊ መስርሕንን ቀጻሊ ዘተን ንክፈትሓኦ ጸዊዑ። ከምኡ እውን እቲ ሕብረት ምስ መራሕቲ እዘን ሃገራት መኺርካ መፍትሒ ንምርካብ ድልዊ ምዃኑ ዘለዎ ቅሩብነት ኣርእዩ።