ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያ፡ ብ1 ጥቅምቲ 2026 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኤምባሲኡ ንኽዕጾ ምውሳኑ ኣፍሊጡ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣተሓሒዙ 10 ኣስማቶም ዘይተጠቕሰ ዲፕሎማት ኤርትራ “ዘይተደለይቲ ሰባት” ተባሂሎም፡ ኣብ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹ ከም ዝኣዘዘ በቲ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ዝወሰነ ነቲ “ኤርትራን ብቀጥታውን ዘይቀጥታውን መንገዲ ክትፍጽሞ ዝጸንሐት ጸረ ኢትዮጵያ ናይ ህውከት ተግባራት” ዝበሎ ናይ ሕርቃን መልሲ እዩ።
ጋዜጣዊ መግለጺ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ እቶም ኣብ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ዝተኣዘዙ 10 ኤርትራውያን ዲፕሎማት “ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ጸጥታ ኣብ ዝዘርግ ተግባራት ብምስታፍን ናይ ቪየና ዲፕሎማሲያዊ ስምምዕ ብምጥሓስን” እዩ ከሲስዎም።
ምስዚ ብምትሕሓዝ መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ብመሰረት ስምምዕ ቪየና ኣብ መንጎ ልኡላዊ ሃገራት ክህሉ ዝግበኦ ዝምድና ንከይትጥሕ ኣተሓሳሲቡ። ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ህዝቢ ምስ ህዝብን ዝምድናታት ከም እተኽብር’ውን እቲ መግለጺ ኣስፊሩ።
ምርጫ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ዝህልዋ ዝምድና ኣብ ብሰላም ሓቢርካ ምንባር፡ ምርግጋእ ከባብን፡ ምውህሃድን ዝተሰረተ ክኽውን ከም እትመርጽ ጠቒሱ። ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ እውን ጸገማት ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ምፍታሕን ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቢርካ ምንባርን ምርጨኣ ምዃኑ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ።
እዚ ናይ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ዝመጽእ ዘሎ፡ ብተደጋጋሚ ኤርትራ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝዋግኡ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ኣብ ምውዳብን ምዕጣቕን ኢድ ኣለዋ ብዝብል ክትከስስ ምስ ጸንሐት እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ዓፋር ኣትዩ ምስቲ ኣንጻር መንግስቲ ብልጽግና ምዃኑ ዝኣወጀ፡ ምሕዝነት ሓይልታት ህልውና ተሰልፉ ይዋጋእ ኣሎ ዝብል፡ ብፕረሲደንት ክልል ዓፋር ወግዓዊ መግለጺ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።

