ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢዱ ከእቱ: ሰኔተራት ኣሚሪካ ጸዊዖም

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢዱ ከእቱ: ሰኔተራት ኣሚሪካ ጸዊዖም

ሽዱሽተ ሰኔተራት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ማክሮ ሩቢ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ምህዳእ ኢድ ከእቱ ምጽውዖም ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። እቶም ሰኔተራት ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት ካብቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝሰፍሕ ዘሎ ውግእ ወጺኦም ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ’ውን ጸዊዖም።

ካብ ኮሚተ ወጻኢ ጉዳይ ዝምድናታት ሰኔት ኣሜሪካ፡ ናብ ኣዲስ ስታንዳር ብ28 መስከረም 2026 ዝተላእከ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ሰኔተራት ጆን ሻሂን፡ ኮሪ ቡከር፡ ቺርስ ኩንስ፡ ጀፊ መርክለይ፡ ችሪስ ቫን ሆለንን ቲም ካይነ ዝበሃሉ እዮም።  እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ነቲ ኣብ 2022 ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃን ተሓጋግዝቱን  ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ፕሮቶርያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ብምጥቃስ ዝሓደሮም ስኽፍታ ገሊጾም። ኣብቲ ምሕጽንተኦም “ኣብ ኢትዮጳ ጉዳይ ሰላም ኣብ ሓደጋ ብምውዳቑ የሰክፈና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስፈሩ እውን ተጠቒሱ።

እዞም ኣሜሪካውያን ሰኔተራት ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ውግእ ሃዲኡ ናብ መኣዲ ዘተ ንክመጹ ተጽዕኖኡ ንከሕይል ከም ጸዊዑን ውግእ እንተቐጺሉ ግና ናብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተባሪዑ ዝገደደ ጸገም ከም ዝፈጥ ምጥንቃቖም እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ናይዞም ሰኔተራት መጸዋዕታ፡ ኣሚሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወሲናቶ ዝነበረት እገዳ ኣጽዋር ድሕሪ ካብ 18 መስከረም 2026 ጀሚሩ ምልዓሉ ክኸውን እንከሎ፡ ንሳቶም እቲ እገዳ ናይ ምልዓል ውሳነ ሲቪላት በዲሎም ንዘይሕተቱ ኣካላት ስለ ዘተባብዕን ሰብኣዊ ቅልውላው ስለ ዘጋድድን ክለዓል ኣይነበሮን ዝብል ርእቶ ከምዘለዎም ኣብቲ መጸዋዕታኦም ኣንጸባሪቖም።