ኮሚሽነር ቮልከር ቱርክ፡ ውግእ ከይቅጽል ጸዊዑ

ኮሚሽነር ቮልከር ቱርክ፡ ውግእ ከይቅጽል ጸዊዑ

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀምረ ውግእ ከይቅጽል ዝለዓለ ስግኣት ከም ዝሓደሮ ምግላጹ ኤኢፍፒ (AFP) ሓቢራ። እቲ ኮሚሽነር ብፍላይ ነቲ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሕብረተሰብ ዘጋጥም ዘሎ ጉድኣት ብምጥቃስ፡ ኩሎም ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ወገናት ናብ ዝሰፍሐ ደረጃ  ከየዕርግዎ  ጸዊዑ።

ኮሚሽነር ቱርክ ብድሮን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ  ዝተኻየዱ ደብዳባት ህይወት ሰባት ከም ዘጥፍኡን ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ዘፍረሱን ዘኪሩ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ 22 መስከረም 2026 ጽዕጹዕ ደብዳብ ከም ኣብነት ጠቒሱ። ብድሮናት ጥራይ ዘይኮነ ብዳርባ መዳፍዕ ዝካየደ ደብዳብ’ውን ጉድኣት የውርድ ከምዘሎ ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ቮልከር ቱርክ ኣተሓሒዙ ቅድሚ ኩሉ ድሕነት ሲቪል ሕብረተሰብ ክሕለወን ረዲአት ናብቶም ዝምልከቶም ግዳያት ብዘይዕንቅፋት ዝበጽሓሉ መንግዲ ክፍጠርን ከኣ ጸዊዑ። ብጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይን ዝተወሰ ከባቢ ኣምሓራን መስመር ኢንተርኔት ምቁራጹን መንገድታት ከም ዝተዓጽዉን ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዝበጸሖ እውን እቲ ኮሚሽነር በቲ መብርሂኡ ሓቢሩ።

ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከባ መዕርፎ ነፈርቲ ምቁጽጻሩ ተኸቲሉ በራረ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጠጠው ምባሉ፡ ምስቲ ምቁራጽ ካልእ መስመራት ርክብ ተወሲኽዎ ነቲ ቅልውላው ከም ዘጋደዶ ዝጠቐሰ እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር፡ እዚ ኩነታት ሲቪላት ናብ ውሑስ ቦታ ከይለግሱ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ’ውን ገሊጹ።

ኮሚሽነር ቱርክ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከይተረፈ ይካየድ ንዘሎ ብጃምላ ኣገዲድካ ናብ ውትህድርና ምእታዊ ተቓዊሙ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ብዝረኸቦ ጸብጻብ እቲ ምስላፍ፡ ምምዝባል፡  ሞትን ማእሰርትን ከም ዘኸተለ ሓቢሩ።

እቲ ኣገዲድካ ናይ ምስላፍ ወፈራ ቅድም ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሕብረተሰብ ተሓዊሶም ዝነበሩ ኣባላት ከም ዘጠቓልል ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊቶም ፈጸምቲ ኣካላት ጽልዋ ዘለዎም ወገናት ጠጠው ናይ ምባል ተጽዕኖ ንክገብሩ ከም ዝጸውዐ ኤኤፍፒ ኣስፊራ። እቲ ንሱ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ሰላም ኣብ ምውሓስ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።