ኣባላትን መሪሕነትን ማሕበረ-ኮም ህግደፍ ኣብ ቁማር ተታሒዞም

2018-05-25 12:16:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in Latest News Read 2016 times

ኣብ ድሮ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ብ22 ጉንበት 2018 ኣባላት መሪሕነትን ተራ ኣባላትን ማሕበረ-ኮም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ከም ዝተታሕዙ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እዞም 70 ዝኾኑ ዕሉላት መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ዝተታሕዙ እቲ ወግዓዊ ክበባቶም ብመንግስቲ ሱዳን ምስተዓጽወ ዴም ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብምስጢር ኣብ ዝኸፈትዎ ናይ ቁማር ቦታ እዩ ተፈጺሙ።

እዚ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጾ እዞም ኣባላት ህግደፍ ዝተታሕዙ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ዘይሕጋዊ ቦታ ኣበይ ከም ዝኾነ ኣረጋጊጾም ምስ ከበብዎ እዩ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እዞም ብሃንደበታዊ ከበባ ዝተታሕዙ 24 ሰዓታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገበኖም ናብ ናይ ህጹጽ ግዜ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክረአ እዩ። ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እቲ ዝሓዝዎ ገዛ ዘይሕጋዊ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ እቲ እናካየድዎ ዝተታሕዙሉ ቁማር ከኣ ነቲ ዘይሕጋውነት ዘኽብዶ እዩ።

Last modified on Friday, 25 May 2018 14:22