Print this page

ዑደት ኣቦመንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ጸዋዒት ንምስዮትን

2023-03-28 17:14:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 744 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦመንበር  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ (ዉኣት ሓርነት)፡ ሓው መስፍን መንግስቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሱዳን ከሰላ ናብ ዝርከብ ናይቲ ማሕበር መደበር ከም ዝበጸሓ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ። ሓው መስፍን መንግስቱ ኣብ መገሻኡ ኩነታት ናይቶም ኣካለ ጽጉማን ብኣካል ተዓዚቡ ምስኣቶምን ምስ ኣመሓደርቲ ናይቲ ማሕበርን ድማ  ከም ዝተመያየጠ ተሓቢሩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብዚ በዓላት ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን ዝቀራርበሉ ዘሎ ቅነ፡ ኣብ ባሕቲ ሚያዝያ 2023 ነዚ ማሕበር ኣብ ዝምልከት ሰፊሕ ርክብ ክካየድ ከምዝኮነ ካብዝዘርግሖ ምልክታት ምርዳኣ ተኻኢሉ ኣሎ።  ካብ ጨናፍር  ማሕበር ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ነቶም ጽጉማን  ሓገዝ ናይ ምእኻብ ናዝ ድራር ምስዮታት ርክባት ዝግበር ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ተቛሪጹ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ጀርመን ዝርከብ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኩሎም ግዱሳት ዝሳተፍዎ  ንዕለት 01 ሚያዝያ 2023 ዝግበር ናይ ድራር ምስዮት ጸውዒት ኣቕሪቡ፡ ብኣካል ምኽንያታት ክሳተፉ ዘይከኣሉ ግዱሳት ብሕሳብ ባንክ Eritreischer Verein 2010 – 60439 Frankfurt a.M. BLZ 50010060 BIC PBNKDEFF IBAN ክልግሱ ከም ዝኽእሉውን ተገሊጹ’ሎ።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ኮሎም ኤርትራውያን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ነዞም ብውግእን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ኣካሎም ዝጐደለን ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝሳቐዩ ዘለዉን ኤርትራውያን ክልግስዎ ንዝጸንሑ ኣመስጊኑ።  ኣብ መጻኢ እውን ሓገዞም ከይፍለዮ ተላብዩ።።

Last modified on Tuesday, 28 March 2023 19:21