Print this page

ኣቶ በረኸት ስምኦን ተፈቲሖም

2023-01-25 10:08:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 739 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቶ በረኸት ስምኦን ድሕሪ ናይ 4ተ ዓመታት ማእሰርቲ፡ ናይ ኣመኩሮ ግዜኦም ፈጺሞም ብ25 ጥሪ 2023 ካብ ቤት ማእሰርቲ ባህርዳር ከም ዝተፈትሑ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር/Ethiopian insider፡ ንጠበቐኦም ህይወት ሊላይ ብምጥቃስ ሓቢራ። ኣቶ በረኸት ስምኦን “ጥረት ኮርፖረሽን” ምስ ዝተባህለት ኩባንያ ብዝተተሓሓዘ ናይ ገንዘብ ምብኻን ተኸሲሶም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ።

ኣብ ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ወያናይ ዲሞክራሲ ግንባር (ኢህወደግ)፡ ኣባል መሪሕነት ውድብ  ብሄራዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ኮይኖም፡ ዝለዓለ ሓላፍነትን ተጽዕኖን ዝነበሮም  ኣቶ በረኸት፡ ቅድሚ 4ተ ዓመታት ብ23 ጥሪ 2019 እዮም ምስ ካልእ ኣባል መሪሕነት ናይቲ ምቅስቓስ ዝነበሩ ኣቶ ታደሰ ካሳ (ጥቅሹ)  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም።

ጉዳዮም ዝከታተል ዝነበረ ኣብ ባህርዳር ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ንኣቶ በረኸት ን6 ዓመታት ማእሰርትን 10 ሺሕ ብር ገንዘባዊ መቕጻዕትን ክፈርዶም እንከሎ፡ ንኣቶ ታደሰ ካሳ ድማ ን8 ዓመታት ማእሰርትን 15 ሺሕ ብር ገንዘባዊ መቕጻዕትን ከም ዝፈረዶም እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብ ግዜ መንግስቲ ኢህወደግ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ዝሰርሑ፡ ምስ ነፍስሄር መለስ ዜና ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮም ዝንገረሎም ሓደ ካብ መስረቲ ኢህወደግ እዮም። ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ካብ ዝሰርሕሎም ሓላፍነታት  ሚኒስተር ዜናን ሓበሬታን፡ ሚኒስተር መንግስታዊ ርክባት፡ ኣቦመንበር ቦርድ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ምክትል ሓላፊ ትካል ምርምርን መጽናዕትን ፖሊሲታት ይረከብዎ።  ምስ ተመኩሮ ናይቲ ዝቃለስሉ ዝነበሩ ግንባር ብዝተተሓሓዘ ከኣ 2ተ መጻሕፍቲ ደሪሶም።

በዚ መሰረት ቀንዲ ዝተኣሰርሉ ምኽንያት ኣብ ፖለቲካ ብዝነበሮም መሪሕ ግደን ተሳትፎን እምበር ብምጥፍፋእ ገንዘብ ከምዘይነበረ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

Last modified on Wednesday, 25 January 2023 11:20