Print this page

ህግደፍ ንስድራ-ቤታት ኣብ ኣባይቶም ይኣስሮም ከም ዘሎ ተሓቢሩ

2022-12-15 11:55:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 581 times
Rate this item
(0 votes)

ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰንኪ ደቆም ናብ ውግእ ዘይምኽታቶም ኣብ ልዕሊ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክወስድ ከም ዝጸንሐን፡ ካብቲ ስጉምትታት ሓደ መንበሪ ኣባይቲ ምዕጻው ምዃኑን በብግዜኡ ካብ ኤርትራ ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ከነጽሩ ጸኒሖም እዮም። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ገለ ከባብታት ኤርትራ፡ ነቶም ገዛውቶም ዝተዓጽዎም ስድራ-ቤታት፡ ካብቲ ዝተዓጽወ ኣባይቶም፡ ዝተወሰነ ከፊቱ ኣብኡ ብምሕያር  ናብ ውግእ ብዘይከዱ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ኣቢሉ ይሕልዎም ከም ዘሎ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብ ኤርትራ ኣረዲኦም።

ካብቶም ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ገዛእ ኣባይቶም ዝእሰሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ሰብኡተን ተገዲዶም ናብ ውግእ ከቲቶም ከብቅዑ፡ ደቅኽን ኣይተረኽቡን ተባሂለን ዝተኣስራ ኣዴታት ከም ዝርከበኦምን  ገሊአንውን ሰብኡተን ኣብ ውግእ ሞይቶም ጌና ኣብ ሓዘን እንከለዋ፡ ብሰንኪ ናይ ደቀን ካብ ህግደፍ ምስዋር ዝተኣስራን  ከም ዝርከበአን  እቲ ዝበጻሓና ሓበሬታ ተጠቒሱ ኣሎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ህግደፍ ብናይ ከባብን ዓድታትን ኣመሓደርቱ ኣቢሉ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡  ካብቲ ስርዓት ሃዲሞም ካብ ሃገር ዝወጹ ኤርትራውያን  ይምዝግብ ከም ዘሎ ምንጭታትና ኣፍሊጦም። ምኽንያት ዝርዝር ስማት ናይቶም ካብ ሃገር ዝወጹ መንእሰያት ምሓዝ ማለት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራ-ቤታቶም መቕጻዕቲ ንምውሳን ክኸውን ከም ዝኽእል ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተልዎ ዘለዉ ኣካላት ይግምቱ። እቲ መቕጻዕቲ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ገንዘባዊ ኮይኑ፡ ስድራቤታት ንነፍሲ ወከፍ ካብ ሃገር ዝወጸ  ወዶም ኮነ ጓሎም ኣስታት 50 ሺሕ ናቕፋ ክኸፍላ ዘገድድ ክኸውን ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ጥርጠራ እዩ።

Last modified on Thursday, 15 December 2022 12:58