Print this page

ጋዜጠኛ መስከረም ኣበራ ዳግማይ ተኣሲራ

2022-12-14 10:38:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 628 times
Rate this item
(0 votes)

መስከረም ኣበራ ዝተባህለት “ኢትዮ-ንቃት” ብዝብል ናይ ዩቱብ መስመራ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛን ደራሲትን ብ13 ታሕሳስ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፈደራል ፖሊስ  ከም ዝተኣስረት ቢቢሲ/BBC ክፍሊ ኣምሓርኛ ሓቢራ። መስከረም ኣበራ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህርነት ሞያኣ ገዲፋ ኣብ መዲያ እትነጥፍ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2022 እውን ተኣሲራ ከም ዝነበረትን ብናይ 30 ሺሕ ብር ዋሕስ ከም ዝተፈትሐትን ተፈሊጡ።

መስከረም ንመንግስቲ ብልጽግና ብትሪ እትቃወም ክትከውን እንከላ፡ ብሓፈሻ ንጸቢብ ብሄርነት ኣምሓራ፡ ብፍላይ ድማ ንምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ እትግፍን እትሕለቕን ጋዜጠኛ እያ። ካብዚ ነቒላ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ናብ  ትግራይ ምእታው ምኽኑይን ዝድገፍን ኣምሲላ ብምቕራብ፡  ኣንጻር ከምኒ  በዓል ኣቶ ልደቱ ኣያለውን ኢንጅነር ይልቃል ጌትነትን ዝኣመሰሉ ርትዓዊ ሚዛን ዘለዎም ምሁራት ኣምሓሩ እትስለፍ እያ።

ብዘይካዚ ኣምሓራ ማዕረ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብቲ ዘተ ዘይተሰለፈ ብዝብል፡  ኣንጻር ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተሪር ተቓውሞ ከተንጸባርቕ ዝጸነሐት እያ። ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ መስከረም ዝተኣስረትሉ ምኽንያት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ እቲ ጠንቂ በቲ ከተቕርቦ ዝጸንሐት ፖለቲካዊ ትንተናታት  ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

Last modified on Wednesday, 14 December 2022 11:46