Print this page

ዜናዊ ጸብጻብ’ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ናይ ዝመርሖ ኣኼባ

2022-10-25 10:16:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 717 times
Rate this item
(0 votes)

ብኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ተስፋይ ደጊጋ ዝተመርሔ ኣኼባ ኣብ ፍራንክፎርት ብዕለት 23 ጥቕምቲ 2022 ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ኣባላት ጨንፈር ሰልፍን ፍሉይ መጸዋዕታ ዝተገብረሎም ግዱሳት ተቓለስቲ ዜጋታትን ዝተሳተፍዎ እዩ ነይሩ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ ብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦ መንበር ሽማግለ ጨንፈር ናይቲ ከባቢ ድሕሪ ምግሃድ ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19፣ ንመጀመርታ ግዜ ብኣካል ተራኺብና ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ብምዃኑ ኣመስጊኑ፣ ቀጻሊ ንኽኸውን ዘለዎ ትምኒትን  ምስጋናን ናእዳን ንተሳተፍት ብምቕራብዩ ተኸፊቱ።

ኣስዒቡ ብጻይ ተስፋይ ንተሳተፍቲ ደጊሙ ብምምስጋን፣ ዕላማ ናይቲ ኣኼባን ዝሓዞ ዛዕባታትን ክገልጽ ከሎ፣ ኣብዚ እዋንዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ክጽወር ዘይካኣል ኣደራዕን ስቓይን መግለጺ ስለዘይርከቦ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝብሎ መላእ ሕብረተ ሰብና ዝፍጸም ዘሎ ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን እዩ ኢሉ። ካብ ኢድን ትካላትን ናይቲ ስርዓት እየ ዝብል ኣካል ንዝተሰወሩ ከይተረፈ፡ ውልድኩምን ውላድኩምን ዘየረከብኩም ብዝብል ምስምስ ንወለዲ ካብ መንበሪኦም ኣውጺኡ ግዳም ዝድርብን ኣባይቶም ከምዝዕጾን ዝገብር ሕሱም ተግባራት ዝፍጸመሉ እዋን ተበጺሑ ምህላዉ ሓቢሩ። ንብርሰትን ጥፍኣትን ህዝብና ዝተዓጠቐ ስርዓት ብምዃኑ ድማ’ዩ መንእሰያት ኤርትራ ብኣልማማ ኣብዘይምልከቶም ኲናት ትግራይ የእትዩ ዘጥፍኦም ዘሎ። ናይ ስልጣንን ሻርነትን ጉዳይ እንተዘይ ኮይኑ፡ እቲ ኲናት ብምንም ተኣምር ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ኣይነበረን ኣይኮነን’ውን። ህዝቢ ኤርትራ ብዘይመረጾ ስርዓት እዩ፣ እዚ ኩሉ ጭቆና ኣብ ርእሲኡ ዝወርድ ዘሎ። ስለ ዝኾነ መራሕቱ ብኸመይ ይመርጽን፣ ምርጫን ናይ ምርጫ ግዜን’ውን ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ግን ጽንዓትን ቀጻልነትን ጥራሕ እምበር፣ ክንሰግሮ ኢና ዘይስገር ነገር የለን። ናይ ሰልፍና ጉዳይ እንተዝነብር ግን፣ ሕጊ ስለዘሎ ኣባላት ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ መኣስን ብኸመይን መራሕቶም  ከምዝመርጹ ይፈልጡ እዮም ክብል ገሊጹ።

ብዘይካዚ፣ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሕሰም ህዝብና ኣቐዲምና ስለዝተገንዘብና በብመንገድና ክንቓለሶ እኳ እንተጸናሕና፣ ኣድማዕነት ናይ ቃልሲ ንምርግጋጽን መንገዲ ዓወት ብምዃኑን ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ንምፍጣር ነዊሕ ተጓዒዝና፣ ክሳብ ሰረታት ሓባራዊ ጽላልን፣ ብመጽናዕቲ ዝተበጽሑ ናይ ሓባር ሰነዳትን ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ፣ ካብ ኩለን ሓይልታት ዝተዋጽኤ ናይ ምውህሃድ ሽማግለታትን ሓይሊ ዕማማትን ምቋም ምብጽሑ’ውን ብዝርዝር ኣመልኪቱ። እዚ መድረኽዚ፣ ብዙሕ ውረድ ደይብ ዝነበሮ ኮይኑ ብትዕግስትን ምክእኣልን፣ ካብ ሕድሕድ ምጥቕቓዕ ኣውጺኡ ናብ ህዱእን ናይ ምጽውዋር ኲነት የእትዩና። ይኹን እምበር፣ ብዘይካቲ ጽላል ብኸመይ ይቐውም ዝብል ዘይተወድኤ መስርሕ፣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተባርዐ ውግእ ክፈላልየና ዝግባእ እኳ እንተዘይነበረ፣ ንህዝብና ይኹን ንተቓወምቲ ሓይልታት ብዘይካ’ታ ናይ መጀመርታ ብሓባር ዝወጸት ኣዋጅ ፈላልዩና እዩ። ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ግን ናይ ሕጂ ሽግር ጥራሕ ስለዘይኮነ፡ ንምዕዋቱ ገና ክንጽዕር ኢና።

ንሕና ከም ሰልፊ ግን፣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዝና፣ መንቀሊ እቲ ውግእ ፖለቲካውን ቅዋማውን ብምዃኑ፣ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ፣ ዘስዓቦ ማሕበራውን  ሰብኣውን ዕንወትን ብርሰትን ተጻርዩ፣ ዝበደለ ክቕጻዕ፣ እተበደለ ክካሓስ፡ ህዝቢ ትግራይ ምሉእ ዘይጉዱል ኣገልግሎት ክረክብ ደጋጊምና ብመግለጺታትና ጸዊዕና። መወዳእትኡ’ውን ንሱ ስለዝኾነ፣ ዓለም ትደፍኣሉ ዘላ መስርሕ እዩ። ህዝብ ኤርትራ ዝሓለፎ ተመኩሮ ከይኣኽሎስ፣ ሎሚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ህልቂት፣ ዕንወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዘተግብርን ዝሕጉሶን ኣካል እንተልዩ፡ ነቲ ምረት ዝረስዐ ወይ ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ፡ ውግእ ብመሰረቱ መሕብኢ መለኽቲ እንተዘይኮይኑ፡ ዝፈትሖ ሽግር የብሉን፡ ክብል’ውን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ኣብ መደምደምታ፣ ምልኪ ፈራሳይ እዩ፣ ክድፈር ድማ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብዝተራእየ ዓብዪ ጉዳይ ናይ ኣመሪካ ስራሓት ኣስፈጻሚ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ዝገበሮ ቀጥታዊ መግለጽን ምቅላዕ ነቲ መላኺ ስርዓትን፣ ዝሰዓበ ምስ ሰልፍና ዝተገብረ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ መልእኽትን፡ ኣብ ስሩዕ መጋባእያ ኣህጉርዊ ምሕዝነት 118 ዝኾና ገስገስቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን 28 ምንቅስቓሳትን ዝኣባላቱ ዝተላእከ ወረቐት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎ ምቕራቡን መልሱን ኣቓልቦ ካብ ዝፈጠሩ ጉዳያት እዮም። ይኹን እምበር፣ ኣብ ውድቐት መላኺ ስርዓት ኩልና ተጠቀምቲ ስለዝኾና፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ድማ፡ ኩልና ተወዲብና ግዴና ከነበርክት ይግባኣና። ሎሚ ኣብክንዲ በበይንና ኮይና ኣብ ምክሳስን ምውንጃልን ግዜና ነሕልፍ፣ ተቐራሪብና መዋጽኦ ይኾነና ዝበልናዮ ብሓባር ክነዕውት ምጽዓር የድልየና ክብል ብጻይ ተስፋይ መግለጺኡ ደምዲሙ።

ኣብ መጠረስታ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንጉዳይ ሓድነት ተቓወምቲ ሓይልታት ዝምልከት ንዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታት ግቡእ መብርሂ ኣቕሪቡ። ነዚ ዝነጣጠፍ ዘሎ መድረኽ ኣብ ምጉልባትን፡ ሰልፊ ኣብ ህዝባዊ ርክባት ዘቕነዐ ስራሓት ዝያዳ ጠመተ ክግበርን፣ ዝብሉ ለበዋታት ብምቕራብውን ኣኼባ ተደምዲሙ።                      

Last modified on Tuesday, 25 October 2022 12:19