Print this page

ቀጻሊ ኣዕናዊ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ትግራይ

2022-09-29 15:19:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 665 times
Rate this item
(0 votes)

እዚ ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ ደብዳባት ነፍርቲ  ሓደ ናይ  ዓዲ ዳዕሮ

ድሕርቲ  ኣብ ትግራይ ዳግማይ ውግእ ምብርዑ ዝተኻየደ ቀጻሊ ደብዳባት ነፈርቲ፡ ብ28 መስከረም 2022 እቲ ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ዝተፈጸም ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ዓብይ ዕንወት ዘስዓበን ምንባሩ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ።

እተን ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ዝደብደባ ነፈርቲ ናይ ኢትዮጵያ ዘይኮናስ፡ ናይ ኤርትራ እየን ዝብል ሓበሬታኳ እንተሎ፡ ናይ መነኦም ምዃነን ብዘየገድስ እቲ ተግባርን ዘስዓቦ ህልቂትን ግን ኩኑን እዩ። ሬድዮ ኤረና ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ኤርትራ ዝነቐላ ነፈርቲ ውግእ 4ተ ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ከም ዝደብደባ ሓቢራ’ላ።

በዚ ብኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፈ ዝተኾነነ ደብዳብ ኣብ ዓዲ ዳዕሮን ካለኦት ከተማታት ትግራይን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዕድመ ዝርከቡ፡ ብሰንክቲ ውግእ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ኣብ ግዝያዊ መዕቆብታት ኣጽሊሎም ዘለዉ ከይተረፉ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝሰንከሉን ክፍለጥ እንከሎ፡ መንበሪ ኣባይትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ይዓንዉ ኣለዉ።

ህግደፍ እውን ብወግዒ ብምሉእ ዓቕሙ ዝተሳተፎ ውግእ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብ25 ነሃሰ 2022 ዳግማይ ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ትግራይ ከተማታት፡ መቐለ፡ ሽረ፡ ኣላማጣ፡ መኾኒ፡ ዋጃ፡ ሸራሮ፡ ማይጸብሪ፡ ዓድዋ፡  ውቕሮን ኣጉላዕን ወሲኽካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብተደጋጋሚ ብነፈርትን ድሮናትን ይድብድባ ኣለዋ። ከተማ ዓዲ ግራት ድማ ብወገን ኤርትራ ብዝድርበ ከቢድ ብረት ግዳይ ኮይና ጸኒሓ። በዚ ደብዳባት ነፈርትን ከበድቲ ብረትን ዝሞቱ ሰባት ምስቲ ውግእ ምትእስሳር ዘየብሎም ሲቪል ምዃኖም ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ቀንዲ ታርጌት ኮይኑ ዝዓኑ ዘሎ ትካላት፡ ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ ማእከላት መዕደሊ ረዲአትን ወሃብቲ ኣገልግሎታትን እዩ። ብዘይካዚ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣብያተ-እምነት’ውን ግዳያት ኮይኖም ኣለዉ።

እዚ ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ቦታታት ወጻኢ፡ ወተሃደራዊ ኣብ ዘይኮኑ ዕላማታት ዘተኮረ ደብዳባት ነፈርቲ፡ ድሮናትን ከበድቲ ብረትን፡ ኣብ ልዕሊቲ ናይ መጀመርያ ረዲአት ሕክምናኳ ክረክብ ዘይክእል ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ ብምዃኑ ክኹነን ዝግበኦ ሰብኣዊ ህልቂትን ትካላቱን እዩ።

Last modified on Thursday, 29 September 2022 17:26