Print this page

ኣብ ኣስመራ ጸልማት ዝጉልባቡ ክትራን ይገድድ ኣሎ

2022-09-26 20:12:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 740 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ከተማ ኣስመራ ብሰንኪ ተኸታታሊ ምቁራጽ  ሓይሊ መበራህቲ ጸልማት ስለ ዝወረሳ ብስዉር ዝካየድ ዘሎ ስርቅን ዝምታን ይገድድ ከም ዘሎ ሬድዮ ኤረና/ Radio Erena ምንጭታታ ብምጥቃስ ኣብ ናይ 26 መስከረም 2022 ዜናኣ  ኣቃሊዓ። እቲ ክትራን ቀንዲ ኣብ ደገ ኣብ ጽምዋ ቦታታት ዝፈጸም ኮይኑ፡ ብፍላይ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ለይቲለቲ ሰረቕቲ ናይ ገዛውቲ መዓጹ እንዳሰበሩ ንብረት ይዘምቱ ከም ዘለዉ እቲ ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።

ዝተፈጸመ ገበናት ካብ ምምዝጋብን ምጽብጻብን ሓሊፉ ናይ ምክልኻሉ ዘይከኣለ ፖሊስ ከተማ ኣስመራ ህዝቢ በብከባቢኡ ንገዛእ ርእሱ ንክሕሉ  ተደጋጋሚ መጸዋዕታታት የቕርብሉ ኣለዉ። እንተኾነ  ዝተዓጥቁ ኣባላት ፖሊስ ዘይተቖጻጸሮም ሰረቕቲ ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ክከላኸልዎም ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣደዳ ሕጽረት ዝስተ ማይ፡ ኤለክትሪክን ካለኦት መሰረታዊ ቀረባትን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ዘሕለፈ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፡   ኣብዚ እዋንዚ ድማ ንህላውናኡ ዘስግኦ ዝርቅን ዝምታን ተወሲኽዎ ኣብ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝርከብ ካብቲ ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቶም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፡ ኣብ ከምዚ ሎሚ መንእሰያታ ገለን ብግዱድ ውትህድርና ገለን ድማ  ብስደት ተፍልዮማ  ዋና ኣብ ዝሰኣነት ውቅብቲ ከተማ ኣስመራ፡  ክትራንን ዝተፈላለዩ ገበናትን ተወሲኽዎ ክጋደድ ግድን ምዃኑ’ውን ጠቒሶም። ኢጣልያዊ ናይ ህንጻ ጥበብ ዝረኣየላ ዝነበረት “ኣስመራ ጻዕዳ” ሎሚ  ሰኣን ዋና ትዓኑ ምህላዋ ከይኣኽላ ኣደዳ ገበንን ንናይ ግዳም ሓይልታት ናይ ውግእ መዋፈሪት ትኸውን ምህላዋ ኣዝዩ ከም ዘሕዝን እቶም ምንጭታት ዓሚቕ ስኽፍታኦም ኣስፊሮም።

Last modified on Monday, 26 September 2022 22:17