Print this page

ክልል ትግራይ፡ ብኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ውግእ ከም ዝተኸፍታ ከሲሳ

2022-09-21 08:56:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 722 times
Rate this item
(0 votes)

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ 20 መስከረም 2022 ኣብ ዘውግሕ፡ ብሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ውግእ ከም ዝተኸፍተ ከሲሱ። በቲ ዝወጸ ሓበሬታ መሰረት እቲ ውግእ ዝተኸፍተሉ ከባቢ ካብ ሩባ ተከዘ ክሳብ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ዘሎ ዶባት ኤርትራን ትግራይ ኮይኑ፡ ማይ ኩሕሊ፡ ዝባን ገደና፡ ዓዲ ኣውዓላ፡ ራማ፡ ጸሮናን ዛላንበሳን ድማ ብፍላይ ተጠቒሶን።

ኣብዚ ሓድሽ ውግእ፡ ናይ ኢትዮጵያ ክልተ እዝታትን ሰለስተ ናይ ኮማንዶ ክፍለ ሰራዊታትን ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ክልል ኣምሓራን ምስ ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፎም ከም ዘለዉ ተጠቒሱ። ኤርትራ ኣቐዲማ ዑቑር ሰራዊታ ንክኸትት ጸዊዓ እያ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብብዝሒ ናብ ኤርትራ ከም ዝተጓዕዘ ብዝተፈላለያ ማዕከናት  ዜና ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ብወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ብክልል ትግራይ ዝቐረበ ክሲ ብዝምልከት ብወግዒ ዝተባህለ የለን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ፡ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ጻዕሪ ክገብሩ ጸኒሖም ናብ ሃገሮም ምስተመለሱ  ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም። ኣብ መግለጺኦም ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ናብ ትግራይ ከም ዝኣተወ ክከታተልዎ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ነቲ ተግባር ከም ዝዀነንዎ ምግላጾም ድማ ሮይተርስ ሓቢራ። ኩሎም ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ተዋሳእቲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ሓድነት ኢትዮጵያ ከኽብሩን ኩነታት ካብ ምግዳድ ክቑጠቡን ይግበኦም ከም ዝበሉ እውን ሮይተርስ  ጠቒሱ።

Last modified on Wednesday, 21 September 2022 11:09