Print this page

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንሰላማዊ መፍትሒ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ

2022-09-12 13:29:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 823 times
Rate this item
(0 votes)

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ኣብ ክልሉ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዘተ ንምፍታሕ የኽእል ዝበሎ መግለጺ ብ11 መስከረም 2022 ኣውጺኡ። ኣብቲ ብመንገዲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ፡ ድምጺ ጥይት ዘይሰምዓሉ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ኣድላይ ዘበለ ኣገልግሎትን ሰብኣዊ ቀረብን ዘይስእነሉ  ኩነታት ክፍጠርን ተዛማዲ ሕሰማትን ስቓይን ክውገደሉን ጽኑዕ እምነቱ ምዃኑ ኣስፊሩ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡  ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ዘተኣማምን መስርሕ ሰላም ክቕጽል ከም ዝድግፍ ጠቒሱ፡ ሓባራዊ ህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ምባል  ክካየድን በዚ ኣቢልካ ምቹእ ናይ ዘተ ሰላም ኩነታት ንምፍጠርን ብወገን ክልል ትግራይ ቅሩብነት  ከምዘሎ ሓቢሩ። ምሉእ ብምሉእ ነቲ ጸገም ብሰላም ናብ ምፍታሑ ክብጻሕ ደጋጊሙ ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ። ናይቲ በይናዊ መግለጺ ምውጻእ ቀንዲ ዕላማ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ምርግጋጽ ምኹኑ ድማ ኣስፊሩ።

መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ክልል ትግራይ “ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ውጽኢታዊ መስርሕ ንጽበ ኢና” ምስ በለ፡ ኣብቲ መስርሕ ኣብ ርእሲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብኽልቲኡ ወገናት ተቐባልነት ዝረኸቡ ኣዛተይቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ምትእምማን ኣብ ምህናጽን ዝተበጽሓ ስምምዓት ኣብ ምትግብራርን ዝሕግዙ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ከም ዝህልዉ ሓቢሩ። ኣብ ምውህሃድ እቲ መስርሕ ዝሕግዙ  ኣማኸርቲ ከም ዝህልዉ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ እቲ መግለጺ ቀጻሊ፡ መፍትሒ ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም  ብመንገዲ ዘተ ጥራይ ከም ዝመጽእ ንተኣማመን ኢና እውን ኢሉ።

ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ቀጺሉ ዘሎ ናብ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምብጻሕ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዘሎ ጸገም ብፖለቲካዊ ዘተ ምሉእ ብምሉእ ናብ ምፍታሕ ከም ዝብጻሕ ኣስፊሩ። ክልል ትግራይ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳአን ብእባልነት ዝርከብዎ ተዛታይ ኣካል ኣዳልዩ ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ።

ብወገን ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ ሓድሽ መግለጺ የለን። እንተኾነ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘይቅድመ ኩነታት ክዛተ ቅሩብ ምዃኑ ክገልጽ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘውጸኦ መግለጺ ነዚ ናይ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘይቅድመ ኩነት ብኣላይነት ሕብረ ኣፍሪቃ ክዛተ ድልዊ ምዃኑ ደጊፍዎ ኣሎ። ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ንመርገጽ ክልል ትግራይ ደጊፉ፡ ከምቲ ልሙድ ንሓድነት ኢትዮጵያ ከም ዝከላኸል ኣነጺሩ። ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ነዚ ናይ ክልል ትግራይ መገልጺ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኤርትራን ካለኦት ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘጋድዱ  ወገናትን ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።

Last modified on Monday, 12 September 2022 15:32