Print this page

ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ከም ብሓድሽ ይእሰሩ ኣለዉ

2022-09-08 07:14:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 730 times
Rate this item
(0 votes)

መኣዛ መሓመድን ጐበዘ ሲሳይን ዝተባህሉ ኣብ ዘይመንግስታዊ መድያታት ዝነጥፉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት፡ ብ7 መስከረም 2022 ከም ዝተኣስሩ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። መኣዛ መሓመድ ጋዜጠኛን ኣመሓዳሪትን “ሮሃ መዲያ” ዝተባህለ ማዕከን ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽሮ ሜዳ ኣብ ዝተባህለ ዕዳጋ ከም ዝተኣስረት ኢትዮጵያን ኢንሳኢደር/ETHIOPIAN INSIDER፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እታ መርበብ ክትእሰር እንከላ ምስኣ ዝነበረት መሓዛኣን መሳርሕታን ጠቒሳ ከም ዝሓበረቶ እቶም ዝኣሰርዋ ናይ ቤት ፍርዲ መእዘዚ ወረቐት ዘይነበሮም ኣባላት ፈደራት ፖሊስ እዮም።

እዛ ኣብ ኣየናይ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተኣስረት ዘይተፈልጠት፡ መኣዛ መሓመድ ኣብዚ ዓመትዚ ጥራይ ንሳልሳይ ግዜ እያ ተኣሲራ። መኣዛ ዝተኣስረትሉ ምኽንያት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባኳ እንተዘይተገልጸ፡ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ወለጋ ዝተመዛበሉ ተወላዶ ኣምሓራ ኣዘራሪባ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ቦታ ዝካየደ ዘሎ ዓሌታዊ ምቅትታል ከመይ ከም ዝመስል ዘርኢ ሰፊሕ መደብ ኣውጺኣ ስለ ዘቃለዐት ምዃና ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ወገናት ገሊጾም።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡  ብተመሳሳሊ ኩነታት ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ጐበዘ ሲሳስይ፡ ህዝቢ ሰሜን ወሎ “ነዓና ብልጽግናን ሓይልታት ትግራይን ኩሎም ሓደ እዮም” ከም ዝበለ ዝሕብር መደብ ስለ ዘቕረበ እዩ። ብዘይካዚ ጐበዘ ሲሳይ ናይ ወሎ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ኣብ ግዜ ውግእ ብድሕሪኡ ብሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝውቃዕ ስለ ዘቃለዐ እዩ ተኣሲሩ ዝብሉ እውን ኣለዉ።

 ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ 9 ጋዜጠኛታት ብምእሳር፡  ብደረጃ ዓለም 3ይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፡ ቻይና 50፡ ግብጺ 25 ኤርትራ ድማ 16 ጋዜጠኛታት ብምእሳር  ቅድሚኣ ዝስረዓ ምዃነን ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ይሕብር። 

Last modified on Thursday, 08 September 2022 09:32