Print this page

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ንመጀመርያ ግዜ መሪሕነቱ መሪጹ

2022-08-30 18:42:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 815 times
Rate this item
(0 votes)

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ንመጀመርያ ግዜ ብናጽነት  27 ነሃሰ 2022 መሪሕነቱ ከም ዝመረጸ ዝተፈላለያ መዲያታት ናይታ ሃገር ሓቢረን። ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ትሕቲ ካለኦት በርገሳዊ ማሕበራት ተጸጊዑ ዝሰርሕ ብኣባልነት ደገፍቲ መንግስቲ ጥራይ ዝሓቁፍ ማሕበር ከም ዝነበረ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እቲ ተመስሪቱ መሪሕነቱ ዝመረጸ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ መሰል ኣባላቱ ኣብ ምሕላው ጥራይ ከይተወሰነ፡ ኣብታ ብተደጋጋሚ ብወተሃደራት ክትምራሕ ዝጸንሐት ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረስ ንዝፍጠር ተጽዕኖን ጸቕጥን እውን ክቃለሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ 1164 ኣባላት ዘለዉዎ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ኣብ ሮይተርስ ንዝሰርሕ ኣቡ እድሪስ ንዝተባህለ ጋዜጠኛ ኣቦመንበሩ ንክኸውን ከም ዝመረጾ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ጌና ምስ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ዝደናገጹ ዝተባህሉ ነባራት ጋዜጠኛታት፡ እቲ ናይ ቅድም ማሕበር ከይፈረሰ ኣብ ልዕሊኡ ካልእ ማሕበር ክምስረት የብሉን ብዝብል ንመስርሕ እቲ ምርጫ ጠጠው ከብልዎ ፈቲኖም ነይሮም። እንተኾነ ተጣበቕቲ ማሕበራዊ መሰላትን ናይቲ ምርጫ ተዓዘብትን እቲ መስርሕ ምርጫ ናጻን ርትዓውን ብምንባሩ ስለ ዝደገፍዎ ከም ዘይተዓናቐፈ ተፈሊጡ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣይኮነንዶ ኣብ ብሕታዊ መድያ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ዝሳተፍዎ ማሕበር ክምስረት  እቲ ማሕበር ኮነ እቲ ናይ ግሊመድያ ከም ዘየለዉ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 30 August 2022 20:59