Print this page

ብቅድመ-ኩነታት ዝተሓጽረ፡ ዘተ ኢትዮጵያን ትግራይን

2022-07-26 08:41:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 844 times
Rate this item
(0 votes)

ethiotigrai 1

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ነቲ ካብ ዝባራዕ ክልተ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ ውግእ፡ ብዘተ ክፈትሕዎ ብመትከል ቅሩባት ምዃኖም ብተደጋጋሚ ብናይ ዜና ማዕከናቶም ይገልጹ ኣለዉ። በዚ መሰረት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ 7ተ ዝኣባላታ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን እትምእከል ነቲ መስርሕ ዘተ እትመርሕ ኣካል ከም ዘቖመን ስረሓ ከም ዝጀመረትን ኣፍሊጡ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ንዘተ ድልዊ ምዃኑን ኣባላታ’ኳ ብኣስማት ተዘይተገልጹ ተመሳሳሊት ኣካል ኣቚሙ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ፡ መዓስ ከም ዝጅመር ብንጹር ኣይተፈልጠን። ብዘይካዚ መን ከም ዘዛትዮምን ኣበይ ከም ዝዛተዩን ከሎ ጌና ዘሰሓሕቦም ኮይኑ ዘሎ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘዛቲ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን እቲ ዘተ ዝካየደሉ ቦታ ከኣ ታንዛንያ ከም ዝኸውን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ዘዛቲ ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታን ካለኦት ተዓዘብቲ ዝርከብዎን ኮይኑ፡ ኣብ ናይሮቢ ክኸውን ምርጫኡ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ። እዚ ፍልልይ እዚ ኣብቲ ቀንዲ ቁምነገር ቅድሚ ምብጸሖም ዘሰሓሕብ ቅድመ-ኩነት ኮይኑ ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘተ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር እዩ ዝካየድ ዝብል ኩነት ኣስፊሩ ኣሎ።  እዚ በቲ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኢትዮጵያ ክልተ ሰራዊት ምክልኻል ኣይህሉን ብዝብል ናብ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝዓለመ ስለ ዝኸውን፡ ናይቲ ዘተ ናይ ምዕዋት ዕድል ካብ ዘጽብቡ ሓደ ምኽንያት ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ ከባብታት ራያን ወልቃይትን ብዝምልከት ብወገን ክልል ትግራይ ናብ ዘተ ዘይቀርብ ኣካል ምምሕዳር  ትግራይ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ምምሕዳር ትግራይ ክምለስ  እዩ ዝብል ተሪር ቅድመ-ኩነት ኣሎ። ብወገን  ኣምሓራ ከኣ ጉዳይ ክልቲኡ ከባብታት ውዱእ እዩ፡ ራያን ወልቃይትን ናብ ትግራይ ክምለስዩ እዩ ማለት ዘበትዩ ዝብል መደምደምታ ስለ ዘለዎ፡ ካልእ ንምዕዋት እቲ ዘተ ዘጸልምት እዩ ተባሂሉ ዝፍራሕ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይኑ ዘይኮነ፡ ኣካልቲ ውግእ ኮይነን ዝጸንሓ ክልላት ኣምሓራን ዓፋር ነብሰን ክኢለን ክሳተፋ ዝብል ርኢቶ ኣሎ። ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ’ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ ውድብ ናጽነት ትግይን 3ይ ወያነ ትግራይን ዝታባህላ ተቓወምቲ ውድባት፡ ብተደጋጋሚ የውጸአኦም ብዘለዋ መግለጽታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ በይኑ ክዛተ ሕጋውነት የብሉን ዝብል መርገጻተን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ብዙሓት ነዚ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘቡን ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደሱን ከም እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውት ዝኣመሰሉ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ምትእምማን ኣብ ዘይተፈጥረሉ ይእቶ ስለ ዘሎ፡ ኣጸጋምን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ከም ዝኸውን ግምታቶም ይህቡ ኣለዉ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ነዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝግበር ዘተ ንምትብባዕ ካብ 25 ሓምለ 2022 ጀሚሮም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሾም ኣለዉ። ብዘይካ ናብ ኢትዮጵያ ናብ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እውን ክበጽሑ እዮም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ወጥሪ ምስ ተፈጥረ ኮነ፡ ናብ ደረጃ ውግእ ምስ ተሰጋገረ፡ ናይቲ ጸገም መፍትሒ ዘተን ልዝብን ጥራይ ምዃኑ፡ ከተንብህ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 26 July 2022 10:49