Print this page

ኣሜሪካ እንደጋና ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዛ

2022-06-01 22:14:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 800 times
Rate this item
(0 votes)

ጸሓፊ ውጻኢ ጉዳያ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን፡ ሃገሮም ኣንበሳደር ሳተር ፊልድ ሓላፍነቶም ከረክቡ ይቀራረቡ ኣብ ዘለዉሉ፡   ኣብ ክንደኦም ኣንበሳድር ማይክ ሃመር ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኾኑ ከም ዝመዘዘት ምግላጾም ቤት ጽሕፈቶም ብ1 ሰነ 2022 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ተሰናባቲ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳድር ሳተር ፊልድ  ተመኩሮኦም ተጠቒሞም ንዘበርከትዎ ኣስተዋጸኦ ንኢዶም፡ ተካኢኦም ኣንበሳደር ማይክ ሃመር እውን ነቲ ራእይን ተመኩሮን  ከም ዝቕጽልዎ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

ኣንቶኒዮ ብሊንከን ምስዚ ኣተሓሒዞም ናይዞም ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዝ፡ ብሓፈሻ ንቐጻሊ ተገዳስነት ኣሚሪካ ኣብቲ ዞባ ህድኣት ንምርግጋጽ ዝዓለመ፡  ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንቀጻሊ ሰላም፡ ምርግጋእን፡ ናብ ሰላም ዘረጋግጽ፡ ኩለመዳያዊ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ናይ ሓባር ድሕንነትን ምዕባለን ዘምጽእ መስርሕ ምኽታላ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣቓልቦ ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ብቐጻሊ ተጻብኦታት ኣብ ምቑራጽ፣ ብቐጻሊ ሰብኣዊ ረዲአት ምቕራብ፡  ብኹሎም  ወገናት ዝተፈጸሙ ግህሰታትን ዓመጻትን ብግሉጽ ኣገባብ ኣብ ምጽራይን ኣብ ዘተ ዝተመስረተ ቀዋሚ መፍትሒ ኣብ ምርካብን ከም ዘተኩር ኣስፊሮም። 

እዞም ሓድሽ ዝምደቡ ዘለዉ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት  ሪፐብሊ ኮንጎን  ቺለን  ከም ኣንበሳደር፡ ኣብ ብልቪያ፡ ነርወይ፡ ኣይስላንድን ደንማርክን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያ ሓላፍነታት ከም ዘገልገሉን ኣብ ሃገሮም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነታት ከም ዝሰርሑ ድሕረ-ባይተኦም የመልክት።

Last modified on Thursday, 02 June 2022 00:23