Print this page

መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፡ መነኮሳት የእሲሩ

2022-05-10 19:37:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 893 times
Rate this item
(0 votes)

( ካብ መርበብ ኢንተርኔት ዝተረኽበ ምስሊ)

እቲ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ህግደፍ ዝመሓደር ዘሎ መንበረ-ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ኤርትራ፡ 5ተ መነኮሳት ገዳም ኣቡነ ዮናስ ኣሕሊፉ ብምሃብ ከም  ዘእሰረ ኤሪሳት/ERISAT ሓቢራ።

እቶም ዝተኣስሩ መንኮሳት መምህር ዕንቈብርሃን ተወልደ፡ ኣባ የማነ ብርሃን፡ ኣባ ተኽለ ብርሃን፡ ኣባ ኣብርሃምን ኣባ ሃብተ ዮናስን ከም ዝበሃሉ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። እዞም መንኮሳት ዝተኣስርሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ነፍሰ-ሄር ኣቡነ ኣንጠንዮስን ኣብ ኣሰያይማ 5ይ ፓትርያርክ ኤርትራን ዝተራእየ ጌጋ መሰረት ብምግባር፡ ምስቲ መንበረ ፓትርያርክ ከም ዘይተሓባበሩ ስለ ዝገለጹ እዮም።

ኩነኔ ኣንጻርቲ ብምምሕዳር ህግደፍ ዝዝወር መንበረ ፓትርያርክ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ገዳማት ደብረ ጽጌ፡ ዓዲ ውስኽ፡ ደበረ ሳህልን ሙራደ-ቃልን እውን ይቕጽል ከም ዘሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቶም ምንጭታት ኤሪሳት፡ ብፍላይ ኣቦታትን መንኮሳትን ገዳማት ኣቡነ ዮናስ፡ ምስቲ መንበረ ፓትርያርክ ብቐጻሊ ክሰሓሓቡ ከምዝጸንሑን ኣቐድም ኣቢሎም ድማ፡  ኣባ ከሰተ ብርሃን ዝተበሃሉ ፈላሲ ካብዚ ገዳም ተኣሲሮም ምንባሮም ሓቢሮም። ብተመሳሳሊ ምኽንያት 6ተ መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ተኣሲሮም ከም ዘለዉ እውን ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብዙሓት ገዳማትን፡ ሃገረ ስብከታትን ኤርትራ ንኣካይዳ መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ይዂንንኦን የዉግዝኦን ምህላወን ይንገር።

መንበረ ጵጵስና ኤርትራውያን ኣህጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብ13 ሰነ 2021 ዝተኻየደ ምቕባእ 5ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ናይ ዓመጽን ጥልመትን ተግባር ምንባሩ ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኩሎም  እቶም ድሕሪ ማእሰርቲ ናይቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝዓረፉ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሓላፍነት ዝተዋህቡ ፓትርያርክታት ኤርትራ  ኣመጻጽኣኦም ብስርዓት ቤተክርስትያን  ዘይሕጋዊ ምንባሩ ክገለጽ ዝጸንሐ እዩ።

ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናይ ህግደፍ ጸረ ህዝብነት ካብ ዝግለጸሎም ተግባራት ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ዘካይዶ ኢድ ኣእታውነት ሓደ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 10 May 2022 21:46