Print this page

6 ናይ ቅድም ዲፕሎማት ኣሜሪካውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንህጹጽ ዘተን ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ጸዊዖም

2022-04-07 20:07:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 908 times
Rate this item
(0 votes)

ሽዱሽተ ኣሜሪካውያን ናይ ቀደም  ኣምበሳድራትን ኣፈጸምቲ ጉዳያትን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ትግራይ ንምፍታሕ ብህጹጽ ዘተ ክካየድን ሰራዊት ኤርትራ ንክወጽእን ዘቕረብዎ መጸዋዕታ፡ እቲ ንሰብኣዊ ረዲአት በቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ተኹሲ ጠጠው ምባል እሞ ብትግራይ’ውን ተቐባልነት ዝረኸበ ሕጉሳት ምዃኖም ከም ዝገለጹ ጋዜጠኛን ተመራማርን ማቲን ፕላውት ብ6 ማዝያ 2020 ገሊጹ። እቶም ነባራት ኣንበሳድራት ኣተሓሒዞም እቲ ውግእ ብዘኸተሎ፡ ብኹሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ዝተፈጸመ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከም ዘተሓሳስቦም ጠቒሶም።

ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ብሰንክቲ ውግእ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ጽልእን ዝተኸተሎ ሳዕቤናትን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ሰብኣዊ ውግእ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ናብ ምትግባርን  ኣገደስቲ ዝበሃሉ ነጥብታት ኣጽኒዖም ናብ ቀጻሊ ዘተ ንክእትዉን ጸዊዖም። እንተ ደኣ እዚ ዕድላትዚ ሓሊፉ እሞ እቲ ውግእ ቀጺሉ ንዝኾነ ኣካል ከምዘይጠቅምን ውጽኢቱ ዝያዳ ሞት፡ ዕንወትን ስቓይን  ከም ዝኸውንን  እውን ኣብቲ መልእኽቶም ኣስፊሮም።

እዞም ነባራት ኣንበሳድራትን ጉዳይ ኣፈጸምትን ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እዚ መጸዋዕታ ኩሎም ዕጡቓት ሓይልታት እንተላይ ሰራዊት  ኤርትራ ብህጹጽ ወጺኦም ነናብ ቦታኦም ክኸዱ ከም ዝምልከት ገሊጾም። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ዝያዳ ኣተኩሮ ዝሓትትኳ እንተኾነ፡ ኣብ ክልላት ዓፋር ኣምሓራ፡ ኦሮሞን በንሻንጉልን ዘሎ ኩነታት እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን ሓገዝን ቆላሕታን ዘድልዮ ምዃኑ ተጠቒሶም። ኣብ መወዳእታ ከኣ  ጸሎትናን ተስፋናን ኢትዮጵያ ናብ ሰላም፡ ሓድነትን ዘተኣማምን ዲሞክራስን እትገብሮ ጉዕዞ ቀጻሊ ክኸውን እዩ ኢሎም።

Last modified on Thursday, 07 April 2022 22:14