Print this page

ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለወን ፍልልያት ብዘተ ክፈትሓ ተሰማሚዕና ኢለን

2022-01-25 08:51:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 797 times
Rate this item
(0 votes)

ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዛዕባቲ ኣብ መንጎአን ዘይምስምማዕ ዝፈጥር ጉዳያት መፍትሒ ንምርካብ ዘተ ከካይዳ ከም ዝተሰማምዓ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እዚ ዝተገልጸ ናይ ሱዳን ምክትል ሓላፊ ኮሚተ ልኡላውነት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክልተ መዓልታት ምጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዩ። እቶም ሱዳናዊ ላዕለዋይ ሓላፊ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተረኽቡ ተሓቢሩ።

ኣምበሳደር መሓመድ ኣል ጋዛሊ ቲጂያኒ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ዳይረክተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት፡ ብወገኖም እቶም መራሕቲ ብዛዕባ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከም ዝተዘራረቡ ገሊጾም። እዞም ሱዳናዊ ዳይረክተር ቲጂያኒ ኣተሓሒዞም፡ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ህዝብታት ረብሓ ንምዕቃብ፡ ክልተኣዊ ዝምድና ምዕባይን ግሉጽነት ምህናጽነት ከም ዘድሊ እውን ሓቢሮም።

ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ምክልኻል ዶር ኣብረሃም በላይ ብወገኖም፡ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ብዙሓት ክልተኣዊ ዛዕባታት ከም ዝዘተዩ ምግላጾም እቲ ዜና ሓቢሩ። ዶር ኣብረሃም ኣተሓሒዞም ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ተቐራሪብና ክንሰርሕ ተሰማሚዕና ኣለና እውን ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ሓረስቶትን ዕጡቓት መልሻን ፋሺቓ ካብ ዝበሃል ቦታ ብሱዳናውያን ምስጓጎም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝነበረ   ዘይምስምማዕ ከም ዘጋደዶ ኣብዚ ናይ ሱዳን ትሪቡን ዜና ተጠቒሱ።

ኢትዮጵያ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጠንቂ  ዘይምስምማዕ ኮይኑ ዘሎ ቦታ፡ ናተይ እዩ ክትብል እንከላ፡ ሱዳን ብወገና ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረሙ ናይ ዶብ ስምምዓት ብምጥቃስ ናተይ እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ። ብዘይካዚ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓብይ ሓጽቢ ኣባይን ኢትዮጵያ ሱዳን ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ትሕግዝ ኣላ ብዝብል እተቕርቦ ክስን ድማ ናይቲ ዘይምስምማዕ ጠንቅታት እዮም።

ኣብ መጻኢ መዓስ ተራኺቦም ከም ዝዛተዩ ዝተታሕዘ ቆጸራ ኣይተገለጸን። እቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ብጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ከም ዘቋረጾ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 25 January 2022 09:56