Print this page

ወታሃደራዊ ልኡኻት ኢትዮጵያን ሱዳንን ተዘራሪቦም

2022-01-07 08:11:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 818 times
Rate this item
(0 votes)

ወታሃደራዊ ልኡኻት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብ5 ጥሪ 2022 ተራኺቦም ከም ዝተላዘቡን፡ ኣብ ዶብ ናይ ሓባር ተቖጻጻሪ ሓለዋ ከቑሙ ከም ዝተሰማምዑን እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ዶብ ምስግጋር ክኽፈት  ከምዘይተሰማምዑ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ብመሰረት ምንጭታት ዜና ትሪቡን፡ ኣብቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ልኡኻት ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ልኡኽ ሱዳን ምኽፋት መስመር መሰጋገሪ መተማ-ገላባት ከም ዝነጸጎ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ዜና ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት መስመር መተማ-ገላባት ካብ ወርሒ ሓምለ 2021 ጀሚሩ ዝተዓጽወ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ሱዳን ኣትዮም ሱዳናዊ ኣዛዚ ምስ ቀተሉ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። እዚ ኣብ ከተማ መተማ ዝተኻየደ ናይቶም ልኡኻት ኣኼባ፡ ብዛዕባ ምኽፋት ዶብ ክልቲአን ሃገራትን ምንቅስቓስ ተቓወምትን ከኣ ተዛሪቡ።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ማዕከን ትሪቡን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሱዳን ኣብ መደብር ስደተኛታት ወታሃደራት ትግራይ ከም እትዕልምን ኣብቲ ታዕሊም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከም ዝሳተፉን ብምጥቃስ ከሲሳ። ልኡኽ ሱዳን ብወገኑ ኣብቲ መደበራት ዘለዉ ሰባት ስደተኛታት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ እቲ መደበር ስደተኛታት ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት  ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምቑጽጻር ከም ዝግበረሉ ብምጥቃስ ነቲ  ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ኣይተቐበሎን።

እዚ ንኣስታት 6 ሰዓታት ከም ዝቐጸለ ዝተነግረሉ ናይ ሓባር ኣኼባ፡ ጸጥታዊ ኩነታት ንምክትታል ናይ ሓባር ተቒጻጻሪ ሓለዋ ምቛም፡ መደበር ስደተኛታት ካብ ዶባት ምርሓቕን ሓበሬታታትን ምልውዋጥን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ከም ዝተሰማምዐ እውን ዜና ሱዳን ትሩቡን ብተወሳኺ ኣስፊሩ።

ወታሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን ንምኽፋት ዶብን ምክያድ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብቲ ዶባትን ኣብ ርእሲ ምቅዋሙ፡ እቶም ሱዳናዊ ኣዛዚ ዝቐተሉ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ተሓተቲ ክኾኑን ሚልሻታት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ከይኣትዉን ከም ዝጠለበ እውን ተፈሊጡ።

Last modified on Friday, 07 January 2022 09:20