Print this page

ጽማቕ ጸብጻብ፡ ምቛም መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ኢትዮጵያ 

2021-12-18 20:01:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1023 times
Rate this item
(0 votes)

ትርጉም፡ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ብመሰረት ሕብረት ኤውሮጳ ዘቕረቦ መጸዋዕታ፡  ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብ17 ታሕሳስ 2021 ፍሉይ ኣኼባ ከም ዘካየደ እቲ ባይቶ ኣብቲ ዕለት ብዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብዚ ኣኼባኡ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ቅድሚ 13 ኣዋርሕ ዝጀመረ ውግእ ዝሰዓበ ግህሰታት ዝምርምር ኮሚሽን ክቐውም ወሲኑ። ኣብዚ ውሳነኡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ካብ 10 ሰባት እቶም 9 ህጹጽ ሓገዝ ዝደልዮም ምዃኑ ገምጊሙ። ከምዚ ዓይነት ፍሉይ ኣኼባ  ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኽካየድ ካብቶም 47 ኣባል ሃገራት ናይቲ ባይቶ ናይ ክልተ ሲሶ ደገፍዩ ዘድሊ።

ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ናይ ውግእ ሓደጋ ተኸቲሉ ዝሰዓበ ህውከትን ዘይምርግጋእን ንኢትዮጵያን ንሳ ንእትርከበሉ  ዞናን ናብ ዝያዳ ዘይምርግጋእ ከእትዎ ከም ዝኽእል እቲ ኣኼባ ባይቶ ከም ዝመዘነ ኣብቲ ዝመወጸ መግለጺ ተጠቒሱ’ሎ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ፍሉይ ኣኼባ ቃል ዘስምዓ፡ ምክትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ናዳ ኣልናሺፍ፡ ካብቲ ሕቡራት ሃገራት መጠንቀቕታ ዝሃበሉ ወርሒ ሰነ 2021 ንነጀው  ኣብ ትግራይ ካብ 400 ሺሕ ንላዕሊ ሰባት ኣብ ደረጃ ሓደጋ ጥሜት ከም ዝወደቑ ገሊጸን።

ጸዋዒት ምቁራጽ ውግእ

እተን ምክትል ኮሚሽነር ኣተሓሒዘን፡ ድሕሪ ነቶም ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ተደጋጋሚ ዓለም ለኻዊ  ናይ “ውግእ ጠጠው ኣብሉ”  መጸዋዕታ ምቕራብ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ብውሕዱ ክልተ ሚልዮን ሰባት ከም ዝተማዛበሉ ጠቒሰን፡ እዞም ዝተመዛበሉ ብህይወት ንኽቕጽሉ ዘኽእል እኹል ሓገዝ ከምዘይተገብረሎም እውን ሓቢረን። ንሰን ነዚ ርኢቶ ዝሃባ ቅድሚ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ መርማሪ ኮሚሽን  ንክቐውም ዝሓትት ንድፊ  ተሳተፍቲ ድምጺ ምሃቦም እዩ። ኣብቲ ድምጺ ዝተዋህበሉ መስርሕ፡ እቲ ንድፊ ብ21  ደገፍቲ፡ 15 ተቓወምትን 11 ዕቃበ ዘመዝገቡን እዩ ጸዲቑ።

እቲ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ ክቐውም ዝተወሰነ ዓለም ለኸ መርማሪ ኮሚሽን፡  3 ብፐረሲደንት ባይቶ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ዝምዘዙ ብቑዓት ኮሚሽነራት ብኣባልነት ክህልዉዎ እዮም። ዕድመ እዚ ኮምሽን ሓደ ዓመት ኮይኑ፡ ከም ኣድላይነቱ ዝናዋሕ እዩ። እዚ ዓለ ለኻዊ መርማሪ ኮሚሽን ነቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ቅድሚ ሕጂ ብሓባር ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣብ ግምት ከእትዎ እዩ። ብዘይካዚ ኩሎም ወገናት ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈጥረ ውግእ ዝምድና ብዘለዎ ዘርኣይዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ናይ ሰብኣውነትን ስደተኛታትን ሕግታት ጥሕሰታት እውን ጠመተ ከም ዝገብረሎም ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ኣሎ።

ኣልማማ ማእሰርቲ

እተን ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ቃለን ዘስመዓ ምክትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰል፡ ነቲ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣልማማ ማእሰርቲ ናይ ሲቪል  ሰባት እውን በተገዳስነት ጠቒሰንኦ።  ኣተሓሒዘን ከኣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብ2 ሕዳር 2021 ዝወጸ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት፡ ተጋሩ ደገፍቲ ህዝባዊ   ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኢኹም ተባሂሎም ብኣልማማ ንምእሳር ኣፍደገ ከም ዝኸፈተ ገሊጸን። ኣተሓሒዘን ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ብደርዘን ዝግመቱ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ኣሸሓት ደቂ ትግራይ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ንተሳተፍቲ ሓቢረን።

ብመሰረት ጸብጻብ ወይዘሮ ኣልናሺፍ፡ ካብቶም ዝተኣስሩ ሲቪል  ኣብዘን ዝሓለፈ 6 ሰሙናት ውሱናትኳ እንተተፈትሑ፡ ጌና ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ካብ 5 ክሳብ 7 ሺሕ ዝግመቱ  ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣለዉ ኢለን። ካብቶም ግዳያት መብዛሕተኦም ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታ ከም ዝእሰሩ ከኣ ሓቢረን። ነቲ ኣልማማ ማእሰርቲ ናይ ሰፊሕ ግዱድ ምምዝባል ኣካልን ዝኸፈአ ምልክትን እዩ እውን ኢለነኦ። እተን በዓልቲ መዚ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሒዘን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ዝካየድ ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ምሉእ ሓበሬታ ዝህብ ርትዓውን ናጻን መብርሂ  ክህብ ጸዊዐን። ነዚ ዝምልከት ብመንግስቲ ኣበርክቶን ምሉእ ተሓታትነት ኣብ ዘይሃለወሉ፡  ዓለም ለኻዊ ኣሰራርሓ ምኽታል ናይ ግድን ክኸው እዩ ኢለን። ምስዚ ኣተሓሒዘን ከኣ ኩሎም ወገናት ኣብ ክሊቲ ተበግሶ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብመንግዲ ኮሚሽን ዘተ ኣቢሎም፡ ትርጉም ናብ ዘለዎን  ኣካብን ዘተ ንክኣትዉ ኣተባቢዐን።

ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ውሳነ.

ካብቲ ውሳነታት፡ እቲ ቀንዲ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ውግእ፡ ነቲ ዓሌትን ጾታትን ዝመሰረቱ ወሲኽካ፡ “ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት መጥቃዕቲ ካብ ምፍጻም ይተዓቀቡ” ዝብል እዩ፡

እቲ ውሳነ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ፡ ማሕበረ-ሰብ፡ ዘራእቲ ሓረስታይ፡ እንስሳ ዘቤትን ሲቪላዊ ትካላት ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ’ውን  ናዕቢ፡ ጽልኢ፡ ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ትሕተ-ቅርጻን ዘኸትል ዘሎ ሓደገኛ ኩነታትን  ሰብኣዊ ቅልውላውን  የጋድዱ ካብ ዘለዉ ተግባራት ምቑጣብ ኣካል ናይቲ ውሳነ እዩ።

እዚ ዝተጠቕሰ ክረጋግጽ ዝኽእል  ምሉእ ዘስርሕ፡ ቅልጡፍን ዘየቋርጽን ሰብኣዊ ሓገዝ ክመሓላለፈሉ ዝኽል መንገዲ ብምኽፋት እዩ ይብል እቲ ውሳነ።

እቲ ዝቐውም መርማሪ ኮሚሽን፡ ኣብ ልዕልቲ ንኹሎም እቶም፡ ካብ 3 ሕዳር 2020 ንደሓር ዝተፈጥሩ ሰብኣዊ ግህሰታት ዘካይዶ ምጽራይ፡ ብዛዕባ እቶም በቲ ጉዳይ ተሓተቲ ዝኾኑ ኣካላት ምልላይን ንተሓታትነቶም ዝምልከት ሓበሬታ ናይ ምእካብን ሓላፍነት’ውን ክህልዎ እዩ።

ናይቶም መርመርቲ ኮሚሽነራት ሓላፍነት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ሓባሪ ነጥብታት፡ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ተሓታትነት፡ ዕርቅን  ናይ ህልዊ ኩነታት መፈወስን  ከምኡ ከኣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ናይ 2022 መበል 50 ኣኼባኡ ዝገብሮ ምምሕያሽ ዝምልከት ሓሳባት ምቕራበ ናይዚ ፍሉይ ኣኼባ ባይቶ ውሳነ ከም ዘጠቓልል ተጠቒሱ ኣሎ።

ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሓደ እቲ ኣጀንዳ ብቐጥታ ዝምልከቶ ኣካል፡  ንውሳነ ናይ ባይቶ ሰብኣዊ  መስል ነጺግዎ ኣሎ። ምኽንያት መንጸጊኡ ከኣ “እዚ ውሳነ ቅድሚ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት እኹል ጻዕሪ ምክያድ፡ ብፖለቲካዊ ድሌት ዝተደፋፍአ ኢድ ምትእትታው ኣብ ጉዳይና እዩ” ዝብል እዩ።

Last modified on Saturday, 18 December 2021 21:16