Print this page

ዜናዊ ጸብጻብ ኣኼባ ኣቦመንበር ምስ መሰረታት ሰልፊ

2021-12-12 11:15:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1078 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብ11 ታሕሳስ 2021 ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘተኮረ ኣኼባ ቀንዲ ኣጀንዳኡ፡ “ኣብ ዓመተ 2021 ብሰዲህኤ ዝተዓሙ ስረሓት” ኮይኑ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ሃገራውን ዞናውን እዋናዊ ዛዕባታት ሰፊሕ መርሂ ሂቡ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝርዝር መብርሂ  ዝሃበሎም ዛዕባታት፡ 1) ምህናጽ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ዓቕሚ፡ 2) ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ጉዕዞ ሓባራዊ ስራሕን 3) ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣስጋኢ ውግእን ሰዲህኤ ብዛዕባኡ  ከካይዶ ዝጸንሐ ሚዛንን ዘቕረቦም መፍትሕታትን 4) ዝምድና ሰልፊ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝብሉ እዮም።

ኣቦመንበር  ኣብቲ ንምህናጽን ምድልዳልን ሰልፋዊ ዓቕምን ዝሃቦ ዝርዝር መብርሂ፡ ርኢቶ ሰዲህኤ ንጹር ኮይኑ ንምትግባሩ ዘኽእል ሓድነትና ዝያዳ ከነትርርን ሓያል  ዓቕሚ ክንድልብን ከም ዘድልየና ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ 2021 ብነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ዝተኻየዱ ንጥፈታት ዘርዚሩ። ኣብ ዳህሳሱ ሓያሎ ኣውንታዊ ውጽኢታት ከም ዝተመዝገቡ ብምጥቓስ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ዘለዉና ሕጽረታትን ብደሆታትን ንምውጋድ ቀጻሊ ዘይሕለል ቃልሲ ስለ ዝጽበየና ኩልና ክንዳለወሉ ከም ዝግበኣና ኣብሪሁ።  ኣብ መጻኢ ሰዲህኤ ቀዳምነት ሂቡ ክዓሞም ካብ  ዝግበኦ ነጥብታት ከኣ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ንሃለዋት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዝምልከት ዝሃቦ ዓሚቕ መብርሂ ድማ ብሓባር ዘስረሓና መድረኽ ክንፈጥር ዘይምኽኣልና ማእከል ናይ ሕጽረትና ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብዚ እዋንዚ ካብዚ ዘለናዮ ምርሕሓቕ ከውጸኣና ዝኽእል ብስም ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ክዛረብን ክስጉምን ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ምፍጣር ምዃኑ ኣብሪሁ። ነዚ ብዝምልከት ብኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት (ኤፖሓ) ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ጻዕሪ ብምጥቓስ፡ እቲ ቅልጣፈ ግና ትጽቢት ካብ ዝተገብረሉ ንታሕቲ ምህላዉ ኣብሪሁ። ምስዚ ኩሉ ሕጽረታት ግና ሕጂ እውን ንምምስራት ሰፊሕ ጽላል መተካእታ ከም ዘየብሉን ነዚ ንምትግባር ሰዲህኤ ጻዕሩ ከም ዝቕጽልን ኣስፊሩ። ፖሓኤ መጽናዕቲ ዘካይዱ ኣካላት እቚሙ ነዲፍዎ ዘሎ፡ ቻርተር፡ ቅዋምን መርሕ መንገድን ክሳብ ሕጂ ብኹለን ዝምልከተን ኣባል ሰልፍታትን ውድባትን ዘይምጽዳቑ ካብቲ ሕጽረታት ሓደ ምዃኑ ኣብሪሁ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ንኡሳን ናይ ውድባት ምጥርናፋት ይፍጠራ ከም ዘለዋ ጠቒሱ፡ እዚ ምጥርናፋት ንመስርሕ ምምስራት ናይቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ሰፊሕ ጽላል ዕንቅፋት ኣይክኸውንን እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ።

ኣቦመንበር ተስፋይ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ ዘብረሆ ካልእ ዛዕባ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ እሞ ናብ ዞባዊ ስግኣት ከይሰጋገርን መቆራቆሲ ልዕለ ሓያላን ከይከውንን ዘስግእ ዘሎ ኩነታት እዩ። ኣብዚ ዛዕባዚ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሰዲህኤ ነዚ ኩነታት ቅድሚ ናብ ውግእ ምዕራጉ ክከታተሎን ግቡእ ሚዛናት ክሕዘሉ ከም ዝጸንሐን ገሊጹ። ሰዲህኤ ብዘይካቲ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ፍሉይ መድረኻት ዘካየዶ ዝነበረ ምይይጣት፡ ኣብ ናይ ጉባአ ንዝምድና ዝምልከት ውሳነኡ ኣትኪሉ ብደረጃ ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ተመጋጋቢ ትካላዊ ውሳነታት ኣሕሊፉ ብደረጃ ኣዋጅ ክገልጽ ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ። ናይቲ ብሰዲህኤ ክውሰድ ዝጸንሐ ውሳነታት፡ ነቲ ውግእ ተቓዊምካ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ብዘተ ንክፈትሕዎ ምጽዋዕ፡ ናይ ምምሕዳር ህግደፍ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምኹናንን ህዝቢ ኤርትራ ብጉዳይ እቶም ኣብ ዘይጉዳዮም ኣብ ትግራይ ከይዶም ዝሞቱ ደቁ ክሓትት ምምሕጻን፡ ናይ ሲቪል ሰባት ህይወት ኣብ ምጥፋእን ንብረቱ ኣብ ምርሳይንን ኢድ ዘለዎም ኣካላት ተጻርዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተቲ ክኾኑ ምድፋእ፡ ናይቲ ውግእ ግዳይ ንዝኾነ ህዝቢ መሰረታዊ ነገራት ክቐርበሉ…… ወዘተ ዝብሉ ከም ዝርከብዎ’ውን ኣቦመንበር ኣስፊሑ ገሊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላ’ውን  ኣሻቓሊ ምህላዉ ኣቦመንበር ተስፋይ ጠቒሱ።

ድሕሪዚ ሰፊሕ መግለጺ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብቶም መብርሂ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም። ብፍላይ ከኣ ብሓፈሻ ዲፕሎማስያዊ ስረሓት ሰዲህኤ ከተኩረሎም ዝግብኡ ብፍላይ ከኣ ዝምድናና ምስ ብህወሓት ኣትምራሕ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ፡ ሱዳንን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብ መጻኢ “ብኸመይ ክንሕዞ ይግበኣና?” ኣብ ዝብል ዝሰፈሐ ግዜ ዝወሰደ ምይይጥ ነይሩ። ኣቦመንበርን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን ከኣ ነቲ ዝቐረበ ሕቶታት እኹል መልስታት ሂቦም። ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ዝቐረበ ሓባሪ መብርሂ ኣመስጊኖም ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ቀጻሊ ንክኸውን ለበዋ ኣቕሪቦም።

ኣብ መደምታ ኣቦ መንበር፡ ኣተሓሳስባ ሰዲህኤ ዓዳጊ ንክረክብ፡ ምሕያል ሰልፊ ቁልፊ ጉዳይ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣባላት ሰልፊ ከም ወትሩ ሰልፎም ንምድልዳል ኣብ ኩሉ መዳያት ክጽዕቱ ተላብዩ። ነቲ ኣብቲ ኣኼባ ዘርኣይዎ ውሕሉልን ሓላፍነታውን ተሳትፎ ከኣ ንኢዱ።

Last modified on Sunday, 12 December 2021 12:28