Print this page

ምዕራባውያን ማእሰርቲ ኣብ ኢትዮጵያ የተሓሳበና’ሎ ኢለን

2021-12-06 22:10:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1030 times
Rate this item
(0 votes)

ሽዱሽተ  ምዕራባውያን ሃገራት፡ “ንሕና ኣወስትራልያ፡ ካናዳ፡ ደንማርክ፡ ኔዘርላድስ፡ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን”  ብዝብል ብ6 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዘመሓላለፈኦ ሓጺር ናይ ሓባር መልእኽቲ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ኢትዮጵያ ይወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ከም ዘሻቕለን ገሊጸን። እቲ የሻቕለና ዝበለኦ ጸብጻብ ብዛዕባ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ብዘይክሲ ዝካየድ ዘሎ ኣዝዩ ሰፊሕ ማእሰርቲ ምዃኑ ኣስፊረን። ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ብ2 ሓዳር 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ዝወጸ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ውሱን ዓሌት ዓሊምካ ንምእሳር ቅቡል ምኽንያት ጌርካ ክውሰድ ከምዘይግበኦ እውን ናይተን ሃገራት ሓባራዊ መግለጺ ጠቒሱ።.

ብናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ዝወጸ ናይ ሓባር ጸብጻብ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሰፊሕ ማእሰርቲ ከም ዝተፈጸመ ጠቒሱ፡ እቲ ማእሰርቲ ተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶደክስ፡ ካህናት፡ ብዕድመ ዝደፍኣ፡ ኣደታን ህጻናትን ከም ዘጠቓልል ኣብቲ ናይ 6 ምዕራባውያን ሃገራት መልእኽቲ ተጠቒሱ። ሰባት ብዘይ ኣፍልጦ ቤት ፍርድን ሰብኣዊ ብዘይኮነ ኣገባብን ከም ይእሰሩ ከም ዘለዉ እውን ኣብቲ መልእኽቲ ተጠቓሊሉ። መብዛሕትኡ ተግባራት ማእሰርቲ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰን ብህጹጽ ጠጠው ክብል ዝግበኦ እዩ ዝበለ እቲ መልእኽቲ፡ እቲ ተግባር ብዓለም ለኻዊ ተቘጻጸርቲ  እዋናውን ቀጻልን ምክትታል ክግበረሉ ከም ዝገባእ ድማ እቲ መልእኽቲ ጸዊዑ።.

ብምቕጻል እቲ መልእኽቲ፡ ደጊምና ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰ ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ዘለና ዓሚቕ ሻቕሎት ንገልጽ ምስ በለ፡ እቶም  ኣብቲ ናይ ሰብኣዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ናይ ሓባር ጸብጻብ ዝተጠቕሱ፡  ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግርጭት ብዝተተሓሓዘ፡ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸሙ፡  ወሲባዊ ግህሰትን ካልእ  ህውከትን፡ የሻቕሉና’ሎ ኢሉ። ኩሎም ወገናት ንምክልኻል መሰል ሲቪላት፡ ሰብኣውነትን ክኢላታት ጥዕናን ወሲኽካ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ግቡኣቶም ክፍጽሙ ኣብቲ መልእኽቲ መጸዋዕታ ቀሪቡ።

ኣብቲ ናይ ሓባር መልእኽቲ ከም ዝተጠቕሰ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮነ ሰፊሩ። በዚ መሰረት ንዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዝተፈጸመ፡ ዝፍጸም ዘሎን ኣብ መጻኢ ዝፍጸምን ግህሰት ኣብ ልዕሊ ሰቪል ንነጽግ። ኩሎም ዝምልከቶም ተዋሳእቲ ውግእ ጠጠው ከብሉ ይግባእ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከኣ ካብ ኢትዮጵያ ይውጻእ ዝብል እውን ኣካል ናይቲ ሓባራዊ መልእኽቲ እዩ።

እቲ መልእኽቲ ናይ 6 ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ወገናት  ናይ ምዝታይ ዕድል ንምኽፋት ብዘይቅድመ ኩነት ተኹሲ ተጠው ምባል ክሓልፎም ዘይግባእ ዕድል እዩ ምስ በለ፡  ኢትዮጵያውያን ብኣካቢ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ሓባራዊ ምርድዳእን ሕጋዊ መስርሕን ሃገሮም ክሃንጹ ይግበኦም። ኣብ ርእሲዚ ኩሎም ተግባራት ግህሰትን ሰብኣዊ ጥሕሰትን ዝምልከቶም ኣካላት ተሓተቲ ክኾኑ ይግበኦም ክብል እቲ መጸዋዕታ ይዛዝም።

Last modified on Monday, 06 December 2021 23:28