Print this page

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት

2020-11-22 21:53:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1862 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 21 ሕዳር 2020 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብኣማእት ዝቑጸር ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ብሻርነታዊ ዝርያ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውልቀ መራሒ ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእ ደው ንኽብል፡ ብሰላምን ልዝብን ንኽፍታሕ ዝጸውዐን እዩ ነይሩ።

ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት፣ ብኡቡንትን (Ubunt Jugendhaus)  ዩናይትድ ፎር ኤሪትርያን (United for Eritrea) ዝተባህሉ ናይ መንእሰያት ማሕበራት፣ ሽግር ሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ንምቅላል ዝጽዕቱን ዝሳተፉን ክኸውን ከሎ፡ ምስ ይኣክል ፍራንክፎርት ብምስናይ ዝተጸውዐን ዝተዳለወን ሰልፊ እዩ ነይሩ።

ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት፡ ናይቶም ሰብ ቀንዲ ጉዳይ ዝኾኑ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተሳትፎ ዝነበሮ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ኮይኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ፣ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቓ ክልሕም ዝኽእል ምዃኑ ዝተገንዘቡ  ገለ ሶማላውያን፡ ሱዳናውያንን ናይጀርያውያን እውን ተሳቲፎሞ ነይሮም።

ውግእ መፍትሒ ፖለቲካዊ ሽግር ከምዘይኮነን፡ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣብ ጠረጴዛ ብልዝብን ብሰላምን ክፍታሕ ከምዝግባእ ዝኣምኑን ዝጸውዑን ሰልፈኛታት ምሉእ ጉዕዞ ሰልፎም ብዓውታን ብነድርን እንዳኣቃልሑ እዮም ኣብቲ ዝተወሰነሎም ቦታ ዝበጽሑ።

 ሰልፈኛታትካብ ዝሓዝዎን ዘቃልሕዎን ዝነበሩ ቀንዲ ጭርሖታት፡

  1. Stopp dem Krieg      ውግእ ደው ይበል!
  2. Nein zum Krieg
  3. Say No to war! Yes for Peace እምቢ ንውግእ! እወ ንሰላም
  4. Krieg ist keine Lösung  ውግእ መፍትሒ ሽግር ኣይኮነን!
  5. ልኡላውነት ኤርትራ ይከበር!
  6. ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ይውጻእ!
  7. ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ንኹንን!
  8. ኣህጉራዊ ትካላትን ናይ ረዲኤት ማሕበራት ድሕነት ስደተኛታት ከረጋግጽ
  9. መሰልን ድሕነትን ስደተኛታት ይታሓሎ!
  10. ዓልየት ተኮር፡ ቅትለትን ቅዝፈትን ንኹንን!
  11. መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ይውረዱ! ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት ኣብቲ ሰልፊ ዝቃልሑ ዝነበሩ ጭርሖታት እዮም።

ሰላማዊ ሰልፊኛታት፡ ካብ ዝተወሰነሎም ቦታ ተበጊሶም  ኣብ ቀጽሪ ላዕላዋይ ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ድሕሪ ምብጽሖም፡ ብዝተፈላለዩ ሰልፈኛታትን ኣዳለውትን ዕላማታት ሰልፍን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኲነታት ናይቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ክልል ትግራይን ስደተኛታት ኤርትራውያን  ዝምልከቱ መግለጺታት ብኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ሓደ ናይጀርያውን ቀሪቦም።

ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብዝተወሰነሉ ግዜ፡ ንተሳተፍቲ ሰልፍን ንኣኽበርቲ ስነ+ስርዓትን ሰላም ዝኮኑ ፖሊስ ጀርመን ኮነ ህዝቢ ጀርመን ብምምስጋን፣ ሰልፍና፣ ውግእ ደው ክሳብ ዝብል ክቕጽል ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ብሰላም ተደምዲሙ።  

ምስጋና ንኣሰናዳእቲ ሰልፊ

Last modified on Monday, 23 November 2020 09:12