Print this page

ኣቦ-መንበር ዝመርሖ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ኣወስትራልያ

2020-10-11 09:40:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2172 times
Rate this item
(1 Vote)

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝመርሖ ኣብ ኣወስትራልያ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣኼባ፡ ብ10 ጥቅምቲ 2020 ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኣወስትራሊያ ዝርከቡ ኣባላት ሰልፍን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን ተሳቲፎም።

ኣቦ-መንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡  ኣወስትራልያ ብኣቀማምጣኡ ምስቲ ናይ ካልእ ከባቢ ብዘለዎ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ነዚ ኣኼባ ብፍሉይ ምስራዕ ከም ዘድለየ ሓቢሩ። ድሕርዚ ነቶም ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ንነጀው ኣብ ኩሉ መዳያት ካብ ዝተዓሙ ስረሓት ቀንዲ ቀንዶም መብርሂ ሂቡ። ኣብ መብርሂኡ ድሕሪ ሰልፋዊ ምዕባለታት ምጥቃሱ፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተጠርኒፎም ብሓባር ክቃለሱ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከኣ ብፍላይ ገሊጹ።  ነዚ ንምዕዋት ግደ ሰዲህኤ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ’ውን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ንመጻኢ እውን፡ ሰዲህኤ ንጉዳይ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ቅድሚት ሰሪዑ፡ ክደፍኣሉ ምዃኑ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ግደ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኣወስትራልያ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣዝዩ ዕዙዝ ምንባሩን ንመጻኢ እውን ትጽቢት ሰልፊ ካብ ኣባላቱ ኣብ ኣወስትራልያ ዝለዓለ ምዃኑ ሓቢሩ።

ድሕሪ መብርሂ ኣቦ-መንበር ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያት፡ ፋይናንስን ዜናን ብዛዕባ ምንቅስቓስ ናይተን ዝመርሕወን ኣብያተ ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ኣቕሪቦም። ናይተን ዝተረፋ ኣብያተ-ጽሕፈት ምንቅስቓስ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ ከኣ፡ ነቲ ኣኼባ ብዝመርሐ ኣቦመንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓጺር መብርሂ ተዋሂቡ።  ብዛዕባ ሃለዋት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣወስትራልያ ከኣ፡ ብሓለፍቲ ዞባ  ጸብጻብ ቀሪቡ።

ድሕሪዚ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ምድልዳል ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ፡ ሰዲህኤ ምስ ካለኦት ኣካላት ዘለዎን ንመጻኢ ክህልዎ ዝግባእን ዝምድና፡ ብዛዕባ ሰዲህኤ ምስ ውድባት ዘካየዶ ምሉእ ሓድነትን ዝተጓዕዘሉ መስርሕን፡ ኣድላይነት ምክያድ ቀጻሊ ኣኼባታት፡ ወሳኒ ተሳትፎን ግደን መንእሰይ ብዛዕባ ዝሕይለሉ፡ በብኹርናዑ ዝምዕብሉ ብዛዕባ ዘለዉ ከም ይኣክል ዝኣመሰሉ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኣብ ከባቢና ሃገራት ዝረአ ዘሎ ንሃገርና እውን ዝጸልዉ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ሕቶታት ኣቕሪቦም ዝርዝር መልስታት ከኣ ተዋሂብዎም። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘቕረብዎም ኣገደስቲ ለበዋታት ከኣ ተመዝጊቦም።

ኣብ መዕጸዊ ኣኼባ ኣቦ-መንበር ተስፋይ ንተሳተፍቲ ደጊሙ ኣመስጊኑ፡  ኣብቲ ንደልዮ ዓወት ንክንበጽሕ ናይ ኩልና ኣበርክቶ ወሳኒ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ተሳትፎም ኣብ ኩሉ መዳያት ዝያዳ ክሐይሉ ተላብዩ።  ተሳተፍቲ ብወገኖም ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ቀጻሊ ንክኸውን ኣድላይነት ከምዘለዎ ጠቒሶም፡ ብዘለዎም ዓቕሚ ሰልፎም ከሐይሉ ከም ወትሩ ቅሩባት ምዃኖም ብምርግጋጽ ኣኼባ ተደምዲሙ።

Last modified on Sunday, 11 October 2020 11:44