Print this page

ኣስተምህሮ ንኣባላት ሰዲህኤ

2020-10-05 07:08:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2179 times
Rate this item
(0 votes)

ብጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተወደበ ን“ህዝባዊ ምልዕዓል” ዝምልከት ኣስተምህሮ ብ4 ጥቅምቲ 2020 ተዋሂቡ። ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ ያሲን ዑስማን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት እዩ።

ነዚ ኣስተምህሮኣዊ ኣኼባ ዝመረሐ ብጻይ መንግስተኣብ ስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ፡ ቅድም’ቲ ኣስተምህሮ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ ንተሳትፎኦም ምስ ኣመስገነ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን በዚ ጥምረት ዝተዳለወ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ብብጻይ ኣማኑኤል በራኺ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኣስተምህሮ ከም ዝተዋህበ ሓቢሩ፡ ንመጻኢ እውን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ቀጻሊ ኣስተምህሮ ከም ዝወሃብ ገሊጹ።

ብጻይ ያሲን ዕዑስማን ኣብዚ ኣስተምህሮኡ ህዝባዊ ምልዕዓል ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምብራህ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ “ተመሳሳሊ ድሌትን ሓሳብን  እንዳሃለዎ ፋሕ ዝበለ ዓቕሚ ምጥርናፍ፡ ብመጽናዕትን ተቐባሊ ባይታ ብዘለዎን ክውደብ ከም ዝግባእ፡ ናይ ቁጠዐን ሲቪላዊ እምቢታን ባህሪ ዘለዎ ምዃኑ፡ ኣብ ምሕያሉ ግደ ጸለውቲ ኣካላት…ወዘተ” ዝብሉ ኣምራት ኣስፊሑ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ናይ ህዝባዊ ምልዕዓል ናይ ለውጢ ሓያልነት ንምብራህ ብሓፈሻ  ንናይ ዓረብ ምልዕዓል፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ከባቢና ካብ ቱኒዝያ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝተራእዩ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኣብ ኤርትራውያን ዝተጋህደ “ይኣክልን” ካለኦት ተበግሶታትን ከም ኣብነት ጠቒሱ። ብፍላይ ከኣ ንግደ መንእሰይ ኣብ ምዕዋት ህዝባዊ ምልዕዓል ኣዕዚዙ ገሊጹ።

ድሕሪ እዚ መበገሲ ሓሳባት ብተሳተፍቲ እቲ ኣስተምህሮ፡ “ግደና ኣብ ምሕያል ይኣክል ክሳብ ክንደይ እዩ?፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ንክዕወት ዝግበር መጽናዕቲ ከመይ ይትግበር? ህዝባዊ ምልዕዓልን ነብሰ-ምክልኻል ዘውሓሰ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልስን ብኸመይ ይመጋገቡ? ህልዊ ናይ ኤርትራውያን ምልዕዓል ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ናይ ካለኦት ተመክሮ ብኸመይ ይዛመድ?” ዝብሉ ዝርከብዎም ሕቶታት ቀሪቦም።

“ኣብዚ ልኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ እንሰግኣሉ ዘለና እዋን ግደ ናይቲ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዝውርወር ዘሎ ህዝባዊ ምዕዓል ኤርትራውያን ዕዙዝ እዩ” ዝበለ ብጻይ ያሲን ዑስማን፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ ሕቶ ንምምላስ ብኣብነት እናሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ድሕሪ እዚ ተሳተፍቲ መድረኽ ሕቶን መልስን ምስተወደአ፡ ዝተፈላለዩ ምስቲ ኣርእስቲ ዝዛመድ እዋናዊ ጉዳያትን ንመጻኢ ናይ ለውጢ ዓቕሚ የሕይሉ ኣብ ዝበልዎምን ዛዕባታትን ርኢቶታት ሂቦም። ዝያዳ ከኣ ሰዲህኤ ኣብቲ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓቢርካ ንምቅላስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣድማዒ ግደ ንክጻወት ንምሕያል ሰልፋዊ ዓቕሚ ዕዙዝ ቆላሕታ ምሃብ ዘይስገር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ምእንቲ ከብቀዓና እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ  ዓቕሚ ናይ ምድላብ ኣስተምህሮ ቀጻሊ ንክኸውን ተላብዮም።

Last modified on Monday, 05 October 2020 09:10