Print this page

ጉጅለ ህግዲፍ ካብ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ስግኣት ሓዲርዎ’ሎ

2020-06-19 13:25:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2856 times
Rate this item
(0 votes)

ጉጅለ ህግዲፍ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ከየጋጥሞ ስለ ዝሰገአ፡  ነዚ ተቓውሞ ንምቁጽጻርን ንምዕጋትን ናይ ከባብን ዓድታትን ምምሕዳራት ዳግመ-ስርርዕ ክካየድ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። በዚ መሰረት ብ16 ሰነ 2020 ኣብ ብሪማካንትሪ ሓላፊ ዞባ ጋሽ ባርካ ኮለኔል ዮናስ ዝመርሖ ናይ ወከልቲ ህዝቢ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ እቲ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ በቶም ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ህግዲፍ፡ ብዛዕባ ሕማም ኮረና ንምቁጽጻር ካብን ናብን ምንቅስቓስ ሰባት ምእጋድ፡ ብዛዕባ ብወያነ ዝተጐበጠ መሬት ኤርትራ ዘይምምላስ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዝደፈረ ንምምካት ዘሎ ድልዉነትን ካልእ ዛዕባታትን ተዘሪቡ። እንተኾነ በተሳተፍቲ ኣኼባ ዝተዋህበ ርኢቶታት፤ ሓለፍቲ ህግዲፍ ዘይተጸበይዎን ዘሰንበዶምን ከም ዝነበረ እቶም ነቲ ኣኼባ ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ምንጭታት ሰዲህኤ ገሊጾም።

ሓደ  ካብቶም ካብ ጐልጅ መጺኦም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉን ርኢይቶ ዝሃቡን ኣቦ፡ ንሕና ከም ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ውሽጥና ዘሎ እምበር ካብ ደገ ዝመጸ ጸላኢ የብልናን። ኣብዚ እዋንዚ ጸላእትና፡ ጥሜት፡ ዕርቃንን ሕማምን እዮም። ስለዚ መንግስቲ ነዚ ጸገምዚ እዩ ክፈትሓልና ዝግበኦ ዝብልን ተሳተፍቲ ብሓያል ጣቓዒት ዘሰነይዎን ነይሩ። ካብ ተሰነይ ዝመጸ ካልእ ተሳታፋይ ብወገኑ፡ ንሕና ቀዳማይ ስግኣትና ኮሮናቫይረስ ዘይኮነ ጥሜት እዩ፡ ምስ በለ፡ ህዝቢ መግቢ ክደሊ ኣብ ዶብት ኤርትራን ሱዳንን ይሓድር ኣሎ። ናይ መግቢ ጸገሙ እንተዝፍታሕ ከኣ ደገ ኣይመሓደረን፡ ንስኻትኩም ግና መተካእታ ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ኢኹም ዕጸዉን ምንቅስቓስ ተቖጻጸሩን ትብሉና ዘለኹም ኢሉ። ብዙሓት ተሳተፍቲ እውን ተመሳሳሊ ንሓለፍቲ ህግዲፍ ዘሰንበደ ርኢቶታት ስለ ዝሃቡ እቲ ኣኼባ ሓለፍቲ ህግዲፍ ብዘይተጸበይዎ ከም ዝተዛዘመ  ምጭታትና ካብቲ ኣኼባ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ከተማ ባረንቱ፡ ናይ ህግዲፍ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ናይ ስለያ ሓለፍትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ፡ ነቲ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ሰባት መሰረታዊ ሕቶኦም ከይፈታሕካ ኣትሪርካ ምቁጽጻርን ኣብ መጻኢ እውን እቲ ምቁጽጻር ክሕይል ኣለዎ ምባልን ብመንጽርቲ ህዝቢ ዘስመዖ ዘሎ ተቓውሞ ስግኣት ከም ዘሕደረሎም ኣንጸባሪቖም። ናይቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደገኛ ዝበልዎ ተቓውሞን ስግኣትን ጠንቂ ኣብቲ ህዝቢ ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገም ምዃኑ ከኣ ተገሊጹ።

Last modified on Friday, 19 June 2020 15:30