Print this page

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ

2020-06-01 01:25:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜናን ብህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ. Published in EPDP News Read 2527 times
Rate this item
(0 votes)

ዞባ ሽማግለ ስሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኢርትራ ቀዳም ዕለት 30 ግንቦት 2020 ናይ ምሉእ ኣባላት ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ብኣቦ መንበር ዞባ ሓው ደስበለ ካሕሳይ እዩ ተኸፊቱ። ኣጀንዳ ኣኼባ ብዛዕባ ህልው ምዕብልናታትን፡ ሰልፍና በጺሕዎ ዘሎ ናይ ፍጹም ሓድነት ስምምዕ ምስ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ንምግላጽን ምምይያጥን ስለ ዝነበረ፡ መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ተመሓላሊፉ።

ሓው ተስፋይ ደጊጋ ስልፍና ጸሚድሎም ንዘሎ ከኣባዊ ርክባት ምስ ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ውድባት ኣበይ በጺሑ ከምዘሎ ኣስፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ናብ ሓድነት ምስ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ተሰጋገረ። ኣቦ መንበር ሰልፊ ንኣመጻጽኣ ሓድነት ምስ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ብዑምቆት ተንቲኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንናይ ምጽንባር ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ናይ ሓባር ሽማግለታት ተመዚዘን ይንቀሳቐሳ ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

ድሕሪ ሰፊሕ ገለጻኡ ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ዘተ ሽማግለታት ምስ ካልኦት ውድባት ተጸሚዶም ንዘለዉ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ኣሕዋት ብርሃነ ደበሱን፡ ክፍልዝጊ ገብረመድህንን፡ ፍስሃየ ሓጎስን ብወገን ሽማግለታቶም በጺሖሞ ንዘለዉ ምዕብልና ከብርሁን ክውስኹን ኣመሓላለፎ።

ኣባላት ዘተ ሽማግለታት ኣሕዋት ብርሃነን፡ ክፍልዝግን፡ ፍስሃየን ብወገኖም ዘሎ ምዕብልናታት ንኣኼበኛ ኣስፊሖም ድሕሪ ምግላጽ መድረኽ ናብ ሕቶን መልስን ተሰጋገረ።

ኣኼበኛታት ብኣድምጾን ልቦናን ንሰዓታት ዝኣክል ክሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ ብሓደ ሕቶኦም፡ ርእይቶምን፡ ለበዋኦምን ከፍስስ ጀመረ። ንነፍስ ወከፍ ሕቶ ብኣቦ መንበርን ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ኣዕጋቢ መልሲ ተዋህበ። ኣባላት ብምልኦም ኣብ መሪሕነቶም ዘለዎም እምነትን ሓበንን ሰፍ ዘይብል ምኻኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ መሪሕነት ንዝሓቶም ተወፋይነት ከማልኡ ድልዋት ምኻኖም ኣረጋጊጾም።

ድሕሪ 4 ሰዓት ናይ ኩሎም ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ምልኣት ዝነበሮ እኼባ ንሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ኩሉ ክንከፍል ድልዋት ኢና ብዝብል መንፈስ ተዛዚሙ።

ንቅዋማዊ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ

ሓድነትና ይሰስን

ክብርን መጎስን ንስውኣትና

ዞባ ሽማግለ ሰመን ኣመሪካ

31 ግንቦት 2020

Last modified on Monday, 01 June 2020 03:31