Print this page

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2020-04-26 08:30:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2940 times
Rate this item
(0 votes)

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ25 ማዝያ 2020፡ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ እዚ ኣኼባ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ድሕሪ ምቕራቡ፣ ናይቲ ኣኼባ ዝርዝር ኣጀንዳታት ኣቕሪቡ። ዝቐረበ ኣጀንዳትት ብተሳተፍቲ ኣኼባ ምስ ጸደቐ ከኣ ኣቦ-መንበር ተስፋይ፡ ብፍላይ  ንሰዲህኤን ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞን፣  ንኤርትራዊ ሃለዋትን  ከባብያዊ ምዕባለን ድማ ብሓፈሻ ዝምልከት መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ኣብ መእተዊ ቃሉ፣ ኣብ ርእሲ ፖለቲካዊ ሃለዋት፡ ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ንዓለምና ኣሻቒሉ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ጠቒሱ፡ ኤርትራውያን ኣብ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዜጋታትና ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ንኢዱ። ኣባላት ሰዲህኤ እውን በብዝከኣሎም ዓቕሚ፡ ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ህጹጽ ወፍሪ ከም ዝሳተፉ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ እቲ ናይ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሓባራዊ መድረኽ ንምምስራት ኮነ ምስ ውድባት ዝግበር ካእባዊ ዘተታት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምልከት፡ ኣብዚ ዕማማት ተዋፊረን ካብ ዝጸንሓ ኮሚተታት ዝርዝር ጸብጻባት ሰሚዑ። ብመሰረት እቲ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ኣብ ዘካየዶ ሚዛን ክሳብ ሕጂ ተስፋ ዝህብ ምዕባለታት ከም ዘሎ ተረዲኡ። ኣብቲ ዝድለ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ሸቶ ኣብዘተኣማምን ደረጃ ንምብጻሕን እዋናዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስን፡ ዝያዳ ሓላፍነታዊ ጻዕሪ ናይ ኩሎም ወገናት ከም ዝሓትት ገምጊሙ።  ንሓቢርካ ኣንጻር ጸረ-ህዝቢ ምቅላስ መተካእታ ከምዘየብሉ ብምርዳእ ከኣ፡ እዚ ዓብይን እዋናውን ዕማም ንድሕሪት ከይምለስ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ክተሓዝ ባዛዕባ ዝግበኦ ኣቕጣጫ እውን  ውሳነታት ኣሕሊፉ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብዚ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተዘርጊሑ ክጽናዕ ዝጸንሐ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ናይ ዝሓለፈ 4ተ ኣዋርሕ ጸብጻባት በብሓደ መዚኑ። ኣድለይቲ ኣብ ዝበሎም ዛዕባታት ከኣ ኣብቲ ጸብጻብ ተመስሪቱ፡ ውሳነታት ወሲኑ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ናይ ቀጻሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኩለ-መዳያዊ ትልሚ ሰዲህኤ ኣነጺሩ።

ኣኼባ፡ ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ዓለም፡ ነዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስን ነቲ ካብዚ ቫይረስ ብዘይፍለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተጻዒኑ ዘሎ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ወጽዓ ስዒሩ፡ ናብ ንቡርን ዕዉትን ህይወቱ ክምለስ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። ኣብ መደምደምታ ድማ  ኣባላትን ደገፍትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምዝቐደመ መደባት ሰዲህኤ ኣብ ምዕዋት ክተግሁ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

Last modified on Sunday, 26 April 2020 10:34