Print this page

ኣኼባ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ፡ ምስ ጨንፈር ኣወስትራልያ

2020-03-15 16:14:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3827 times
Rate this item
(0 votes)

ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ብ15 መጋቢት 2020 ምስ ጨንፈር ኣወስትራልያ ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብዚ ብቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ተጸዊዑ፡ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ኣሕዋት መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ኣቦመንበር ጨንፈር ኣውስትራልያ ሓው ሃይለየሱስ ገብራይ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ኣቕሪቡ። ድሕር’ዚ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ንንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንደሓር፣ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ሃገርናን ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ሂቡ።

ሓው መንግስተኣብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ጀሚሩ፡ ንጥፈታት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብውሳነ ጉባአ መሰረት ምስ ዝተፈላለዩ ውድባትን ግንባራት ክግበር ዝጸንሐ ርክባትን ውጽኢቱን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክካይድ ዝጸንሐ ናይ ሰልፊ ተሳትፎን ኩነታት ጨናፍርን ዞባታትን ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብዝምልከት ደቂቕ ዝርዝር ኣቕሪቡ።

ሓው መንግስተኣብ ንሃለዋት ናይ ለውጢ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዘቕረቦ መሰረታዊ ሓሳብ ከኣ፡ ኣነቓቕላ ዋዕላ ሚኖሶታ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ንቕሎ ኣደታት ኣብ ጀርመን፡ ምልዓል ደቀንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ተበግሶ ሓባራዊ ስራሕ ወከልቲ ውድባት ኣብ ጀርመንን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ ተሳትፎ ሰዲህኤ ኣብ ኩሉዚ ምንቅስቓሳት ከመይ ከም ዝነበረ ኣረዲኡን። ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ሰዲህኤ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ዝተኻየደ ርክብን ሒዝዎ ዘሎ ኣቕጣጫን ገሊጹ። ንመጻኢ እውን ንዅሎም ጽላላትን ውድባትን ዘሳትፍ ዋዕላ ለንደን ክካየድ ተመዲቡ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኩሉቲ ርክባት ብድምር ክረአ እንከሎ፡ ተስፋ ዝህብ ምዃኑን ሰዲህኤ ክሳብ ዘተኣማምን ውጽኢት ዝምዝገብ ጻዕሩ ቀጻሊ ምዃኑን ንተሳተፍቲ ሓቢሩ።

ብዘይካዚ ሓው መንግስተኣብ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኩሉኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ህዝብና ብሰንኪ ህግዲፍ ዘሕልፎ ብዛዕባ ዘሎ ሕሰምን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሎሚ እውን ሕመቖም ንምሕባእ ዝዓለመ ናይ ላዕለዎት ኣዘዘቲ ሰራዊት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሕበራትን ትካላትን ኣኼባታትት የካይዱ ምህላዎም ጠቒሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኩነታት ብጽሞና ርእዩ ቃልሱ ንከሐይል ድማ ጸዊዑ።

ሓው ደበሳይ በየነ ብወገኑ ብዛባዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምዕባለን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ንሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሕጂ እውን እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ርክብ ግሉጽነት ከምዘየብሉ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ነቲ መራሒ ህግዲፍ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዑደቱ ኮነ ቃለ-መጠይቑ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዝህድድ መልክዑ ክህቦ ዝጸንሐ መግለጽታት ተኸቲሎም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወገናት ኣንጻር ልኡልዋነት ኤርትራ ይጽሑፍን ይምድሩን ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ሓሳቡ ዘይቀየረ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ድፍኢት ህግዲፍ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ኤርትራውያን ናይ ስደተኛ መሰሎም ይጠሓስ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ብግቡእ ከቕልብሉ ከም ዝግበኦም ኣስፊሩ።

ድሕር’ዚ መበገሲ መግለጽታት ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ “ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከመይ ይመስል፡ ተጽዕኖ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ዘገምታውነት ጉዕዞ ሓድነት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ህልዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን፡ …… ወዘተ” ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦም፡ በቶም መራሕቲ ኣኼባ ከኣ ዝርዝር መልሲ ተዋሂብዎ።

ኣብ መወዳእታ ኣባላት ጨንፈር ኣወስትራልያ ሰዲህኤ፡ መደባት ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ከም ወትሩ ዘለዎ ቅሩብነት ብምጥቃስ፡ “ንርከበሉ ዘለና እዋን ወሳኒ ስለ ዝኾነ ቃልስና ብተዓጻጻፊ ከነሐይል ይግበኣና፡ ውድባት ናይ ሓባር ጽላል ንምምስራት ጀሚረናኦ ዘለዋ ቃልሲ ከሕይለኦ ይግበአን፡ ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምቅይያር ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ክቕጽል ይግበኦ” ዝብሉ ቅቡላት ርኢቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

እዚ ኣካል ናይቲ ብ29 ለካቲት 2020 ብቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ተጸዊዑ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ ኣባላት ሰዲህኤ እዩ።

Last modified on Sunday, 15 March 2020 17:18