Print this page

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ስሩዕ ኣኼባ ኣባላቱ ኣካይዱ

2020-03-04 04:40:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3412 times
Rate this item
(0 votes)

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብ1 መጋቢት 2020 ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ስሩዕ ኣኼባ ኣባላቱ ብምክያድ ኣብ ህልው ኩነታት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ሰልፊ፡ ጨንፈርን ሓፈሻዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓሚቚ ዘተን ክትዓትን ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ነቲ ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ብደሓን መጻኩም ቃል ከፊቱ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ኣጀንዳታት ኣንቢቡ፡ ዝኣክል መብሪህን ሓበሬታታትን ሂቡ፣ ናይ እንካን ሃባን መድረኽ ከፊቱ።

ኣብ መዳይ ዕቤትን ዓወትን ሰልፊ፣ ኣኼበኛታት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ኣብ ጨንፈር ኖርወይ ኮነ ኣብ ካልእ ዞባታት ንኽትግበር ንዝመደቦ መደባት ንትግባረኡ ካብኦም ዝጠለብ ዘበለ ንኸማልኡ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ጐኒ ንጐኒ ንምሕያል ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ንተበግሶታት ይኣክልን ኣብ ኖርወይ ጨንፈር ሓላፍነታዊ ተራ ክጻወት ከምዘለዎ እቲ ኣኼባ ኣዘኻኺሩ። ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ፓለቲካዊ ውደባን ውድባትን ንዝግበር ምቁንጻብን ዋጋን ኣፍልጦን ናይ ዘይምሃብ ስጉምትታት ግን ከምዘይጻወሮ ኣኼባ ኣስሚርሉ።

Norway Branch Meeting 010320 2

ጨንፈር ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ሰብኣዊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጸጋታቱ ንምብራኽ የስርሑ እዮም ዝበሎም ሓደሽቲ ውዳቤታትን ሜላታትን እውን ኣተኣታትዩ። ድሕሪ ሰፊሕ ክትዓት ኣኼበኛታት ናይ ዝስዕብ 3 ኣዋርሕ መደብ ሓንጺጾም ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

Last modified on Wednesday, 04 March 2020 06:23