Print this page

ሓፈሻዊ ሓበሬታዊ ኣኼባ፡ ኣባላት ሰዲህኤ

2020-03-01 10:14:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3096 times
Rate this item
(0 votes)

ብቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ዝተጸወዐ ሓፈሻዊ ሓበሬታዊ ኣኼባ ኣባላት ብ29 ለካቲት 2020 ተኻይዱ። ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ኣብዚ ኣኼባ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኤርትራውን ዞባውን ምዕባለታት፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ግደ ሰዲህኤን ከምኡ ከኣ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ሰዲህኤ ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንደሓር ሓቢሩ። ኣብዚ ሰፊሕን ዝርዝራውን ሓበሬታዊ መግለጺኡ፡ በብኩርናዑ ይግበር ብዛዕባ ዘሎ ናይ ለውጢ ምልዕዓላትን ኣብ መንጎ ውድባት ዝካየድ ዘሎ ርክባትን ሰፊሕ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ሓበሬታኡ ናይ ሚኖሶታ ተበግሶን ውጽኢታቱን፡ ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ውድባት ዝካየድ ዘሎ ልዝብን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ዝርዝር መብርሂ ሂቡ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዝለዓል ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ከም ንቕሎ ኣዴታት፡ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ምቛም ማሕበር ኤርትራውያን ስነ-ኪነታውያን፡ ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ንደሞክራስን ሰላምን ኡፕሳላ፡ ንዕምሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ምሕጻርን ንደምበ ተቓውሞ ኣብ ምሕላይን ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ምዃኑ ብምግንዛብ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ክድፎን ከተባብዕን ጸዊዑ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ሰዲህኤ ኣብ ዘዝተዓደሞ መድረኻት ብልኡኻቱ ክሳተፍን ሓጋዝን ተቐባልነት ዝነበሮን ሓሳባት ከቕርብን ከም ዝጸንሐን እዚ ጻዕሩ ቀጻላይ ምዃኑን ኣብሪሁ።

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ 14 ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ድማ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል ባህጊ ደለይቲ ፍትሒ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ሰዲህኤ ድማ፡ ነቲ ቅዱስ ተበግሶ እናደገፈ፡ ኣብ ኵሉ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ሓቢሮም ዝዋስእሉ ባይታታት ኣብ ምውዳድ ካብኡ ዝጥለብ ምትሕግጋዝ ከበርክት ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ መሪሕነት ሰዲህኤ፡ ድሕሪ ጉባአ ኣብ ርክብ ምስ መሓዙት ውድባትን ሰልፍታትን፡ ንመደበራት ተለቪዥን ኣሰናን ኤሪሳትን ወሲኽካ፡ ምስ ዝተፈላለየ ሚድያታት ርክባት ኣብ ምክያድን ሰልፋዊ መደባት ኣብ ምሕንጻጽን ምትግባርን ዘካየዶም ጻዕርታት ዘርዚሩ። ኣብ መጻኢ ከኣ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆታት ንምምካት ዘብቅዕ ባይታ ንምምድማድ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባላት ሰዲህኤ ዝርከብዎ ከባብታት ብደረጃ መሪሕነት ጐስጓሳት ናይ ምክያድ መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ንተሳተፍቲ ሓቢሩ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ንሃለዋት ጨናፍር ሰዲህኤ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ኣወስትራልያ፡ እስራኤል፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ ብዝርዝር ሓቢሩ፡ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት ንጥፈታቶም ብፍላይ ከኣ ሓድሽ ሓይሊ ኣብ ምስታፍ ንከሕይሉ ኣዘኻኺሩ።

ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ንምርዳእ ናይዚ ቀረባ ግዜ “ኩሉ የለን” ዝሕመረቱ ቃለ-መጠይቕ ዲክታቶር ኢሳያስ ምውካስ እኹል እዩ ኢሉ፡ ኢሳያስ ኩሉቲ ጠንቂ ናይቲ ውድቀትን ድሕረትን ንሱ ክነሱ፡ ዘየለ ምኽንያት እንዳፈጠረ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ንዝገብሮ ፈተነታት ኣቃሊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነቲ ኣብ ዞባናን ኣብ ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ንዓና እውን ዝጸልወና ምዕባለ ብመንጽር ኤርትራዊ ልኡላውነት ክንመዝኖን ብኡ መሰረት ዝምድናና ክንሰርዕን ከም ዝግበኣና ሓቢሩ።

ድሕሪ’ቲ መበገሲ ሓበሬታዊ መግለጺ፡ መድረኽ ናይ ሕቶን መልስን ምስተኸፍተ ተሳተፍቲ፡ ምምዕባልን ምሕያልን ትካላት ሰልፊ፡ ኣብ ኣገዳስነት ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ምቅላስን ኣከዋውናኡን፡ ኵነታት ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይን፡ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ጉዳያት ዘትከሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀሪቦም። ኣብኦም ዝተመርኰሱ መልስታትን ምይይጣትን ድማ ተኻይዶም።

ኣብዚ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ዝያዳ ካብ ዘጉልሕዎም ርእይቶታት፡ ምቅልጣፍ ምምስራት ብሓባር ዘቃልስ መድረኽ፡ ሰልፋዊ ስርሓት ምሕያል፡ ኣብዚ ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕልቕልቕ፡ ኩነታት ኣጽኒዕካ ሰልፍኻ ምንጻር፡ ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ መሪሕነት ዘውጸኦ መደባት ኣብ ምዕዋት ኩሉ ዓይነት ኣበርክቶ ከወፍዩን ግቡኣቶም ክፍጽሙን ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Last modified on Sunday, 01 March 2020 11:21