Print this page

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰል ህይወት ህዝቢ ከውሕስ’የ ኢሉ

2020-02-29 08:33:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2653 times
Rate this item
(0 votes)

ልኡኽ ኤርትራ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ሚቸለ ባቸለት መልሲ ሂቡ። ንሱ ኣብቲ ብ27 ለካቲት 2020 ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዘተኣማምን ክብሪ ህዝቢ ከም ዝሰርሐ ገሊጹ።

ንሱ ኣተሓሒዙ እተን ላዕለወይቲ ሓላፊት ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማዕረ መሰልን ዕድልን ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሓሶት ቅልውላው ብቕራበን ከሲሱወን።

እዚ ኣብዚ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብዙሓት ወሃብቲ ርኢቶ፡ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕያሽ ብዘይምርኣያ፡ ሻቕሎቶም ዝገለጽሉ ን2ይ መዓልቲ ዝተኻየደ ምይይጥ እዩ። እዚ ናይ 2ይ መዓልቲ ምይይጥ በቲ ወይዘሮ ባቸለት ንኤርትራ፡ ሶርያ፡ ኢራን፡ የመን፡ ቨንዙዋላን ካለኦትን ብዝምልከት ጸገማት ብምዝርዛር ብዘቕረበኦ ጸብጻብዩ ጀሚሩ።

እተን ወይዘሮ ኣብቲ ጸብጻበን፡ ዋላኳ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ እንተተኸፈተ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ግና፡ ሲቪላዊ ኩነታት ካብ ምቁጽጽጻር መንግስቲ ኣይተላቐቐን፡ ካብዚ ሓሊፉ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ሰላማዊ ምእካብን መሰል እምነትን፡ ከምኡ እውን መሰል ናጻ ሚድያ ፍቑድ ኣይኮነን ኢለን። ኣስዒበን ከኣ ቤት ጽሕፈተን ፍርዳዊ መስርሕ ንምምሕሽን ጽጉማት ንምሕጋዝን ከምኡ እውን ኣብ ቀረብ ማይን ጽሬትን ንምስራሕ ንዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ዘይምርካቡ ከም ዘሻቕለን ገሊጸን። እተን ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስዒበን ከምዚ ዝስዕብ እውን ኢለን።

“ኣነ ብዛዕባ መንግስቲ ዝገብሮ ብብዙሓት ሰባት ብዘይወግዓዊ መንገዲ’ውን ሓበሬታ ይበጽሓኒ እዩ፡ ንኣብነት ካቶሊካዊ ጳጳስ ቀጥታዊ ብዘይኮነ ኣገባብ፡ ለውጢ ዝሓትት መልእኽቲ ምስ ዘርሑ፡ 21 ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ሆስፒታላት ተዓጽየን ዝብል ጸብጻብ በጺሑኒ። ብዙሓት ሰባት ናይ እምነት መሰሎም ስለ ዝተጠቕሙ ጥራይ ከም ዝእሰሩ ጸብጻባት ይበጽሓና እዩ። መንግስቲ መሰረታዊ መሰሎም ኣብ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ እምነትን ምእካብን ንዝተሳተፉ ብዙሓት ብቐጻሊ ብዘይፍርዲ ይኣስር እዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሰባት ሰብኣዊ መሰሎም ብዝሓለወ ኣገባብ ክተሓዙ ክትገብር ይግበኣ። እቶም ብጃምላ ዝኣስሮም ክፍትሖም ይግበኣ፡ መስርሕ ፍትሓዊ ፍርዲ ከተተኣታቱ ይግበኣ፡ ናይቶም ተሰዊሮም ዘለዉ ሰባት ሃለዋትን መጻኢ ዕድልን ከተነጽር ይግበኦ።

እቲ ዘይውሱን ግዜ ኣገልግሎትን ኣብቲ መስርሕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘሎ ወጽዓን እቶም ቀንዲ መንእሰያት ካብ ሃገሮም ንክስደዱ ደፋእቲ ረቛሕታት እዮም። ገለ ካብቶም መንእሰያት ብዘይክፍሊት ከም ዝሰርሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣለዉ። መንግስቲ ነቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ምምሕያሽ ከም ዝገብር ኣመልኪቱ ነይሩ፡ እንተኾነ ነዚ ብዝምልከት ክሳብ ሎሚ ዝተወስደ ስጉምቲ የለን።”

Last modified on Saturday, 29 February 2020 09:37