Print this page

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘየለዉ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ሓቢሩ

2020-02-10 08:44:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3048 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብ9 ለካቲት 2020 ናብ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ እዋናዊ መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብዚ መልእኽቱ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ነዛ ሎሚ ጸገማ ፈኸም ዝብል ዘሎን ኣብ ዝኾነ ግዜ ክባራዕ ዝኽእልን ኤርትራን ህዝባን ህጹጽ ተገዳስነቶም ከርእዩ ጸዊዑ። እቲ መልእኽቲ ኣቦመንበር ኣተሓሒዙ፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ናይ ህጹጽ ግዜ ደወል ዝድወለሉ እዩ ኢሉ

እቲ ን2ተ መዓልታት ዝተካየደ መበል 33 ጉባአ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ10 ለካቲት 2020 እዩ ዝዛዘም። እዚ መበል 33 ጉባአ ኣፍሪቃ “ድምጺ ጥይት ኣጥፊእካ፡ ንዕቤት ኣፍሪቃ ጥጡሕ ኩነታት ምፍጣር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብቲ መልእኽቱ እዚ ጭረሖ  ንኩነታት ኤርትራ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣስፊሩ።

እቲ ብቐጥታ ናብ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋቂ ማሃማትን ንፍልጠኦም  ብቅዳሕ ናብ ተሳተፍቲ እቲ ጉባአ ዝተላእከ መልእኽቲ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት እውን ጠቒሱ።

  • እቲ ህይወት 100 ሺሕ ሰባት ዝጠፈአ ጸገም ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጌና ኣይተፈትሐን
  • እቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ከቢድ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝጸንሐን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ መደበር ስደተኛታት ፋሕ ኢሉ ንክሳቐ ምኽንያት ዝኾነን ኩነታት ኣይውግእ ኣይሰላም ሕጂ እውን ኣየብቅዐን።
  • ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኩነታት ሃገሮም ሕጉሳት ኣይኮኑን
  • ጉባአ ሕብረት ኣፍሪቃ እዚ ኩነታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ዝሰፈሓሉ ህብረተሰብን መብዛሕትኡ ካብቲ ህዝቢ ኣጠቓቕማ ብረት ዝኽእልን ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ከስተውዕል።

እዚ መልእኽቲ እቲ ኣኼባ ንኣተገባብራ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ኣጀንዳ ክሕዞ ሓቲቱ። ብዘይካዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ንኹሎም ውሳነታትን ለበዋታትን ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡  ንተደጋጋሚ መጸዋዕታ  መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል  ኤርትራ ሕቡራት ሃገራት ንከተግብር ተጽዕኖ ክገብረሉ እውን ጸዊዑ።

Last modified on Monday, 10 February 2020 09:48