Print this page

ጉጅለ ህግዲፍ ኣንጻር ኣመንቲ ማእሰርቲ የካይድ ኣሎ

2019-11-25 10:44:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2303 times
Rate this item
(0 votes)

ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግዲፍ፡ ሎሚ እውን ከም ልማዶም ንዜጋታት ብሰንኪ ዝኣመንሉ ሃይማኖት ምስዓቦም ዘካይድዎ ናይ ማእሰርትን ምስዋርን ወፈራ ይቕጽልዎ ኣለዉ። ከም ናይዚ ኣብነት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ  መንደፈራ፡  ዓብዪ ዓዲ፡ ዓዲ ቆራይ፡ ዓዲ ገደሾን ደንበ ኣርጕዲን ኣስታት 23 ሰዓብቲ ምስልምና ኣሲሮም ከም ዘለዉ እሙናት ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። እቶም ሓይልታት ጸጥታ ነዚ ስጉምቲ ክወስዱ እንከለዉ፡ ነቶም ግዳያት “ተኸተልቲ ውሃቢን” ብዝብል ከም ዝኸሰስዎም እዞም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ህዝቢ ንመሰሉ ምእንቲ ከይሓትት ኣቐዲምካ ንምርዓዱ ኮይኑ፡ ኣብ ግዜ ለይቲ ብዘይዝኾነ ይኹን ናይ ቤት ፍርድን ካልእ ዝምልከቶም ኣኽባር ሕጊ ኣክላትን ትእዛዝን ኣፍልጦን ዝካየድ ዘሎ እዩ።

ኩሉ ከም ዝፈልጦ ህግዲፍ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለዩ እምነታት ከይዝውተሩ ዝእግድ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ኣብተን ንስሙ ይፍቀዳ ዝበሃላ ናይ እምነት ትካላት እውን፡ ኢዱ ኣእትዩ ዝዘርግ ዘሎ ጉጅለ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃይማኖት ምስልምናን ኦርቶዶክስን ዝረአ ዘሎ ማእሰርትን ቅትለትን ከምኡ ከኣ ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ምርሳይን ናይዚ ኣብነት እዩ።

Last modified on Monday, 25 November 2019 11:49