Print this page

ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ሽወደን ኣብ እተጋብአ ዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት ተኻፊሉ

2019-11-18 21:22:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3277 times
Rate this item
(1 Vote)

18 ሕዳር 2019

ካብ ኵሉ ክፍለ-ዓለም ዝመጹ ማሕበረ-ዲሞክራስያውንን ማሕበራውያንን ሰልፍታት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ካብ ዕለት 15-17 ሕዳር 2019 ኣብ ስቶክሆልም፡ ርእሰ-ከተማ ሽወደን ተኻይዱ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ሓው ዶክተር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያትን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ’ቲ ዋዕላ ተኻፊሎም።

MA and HBT

ዶር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን፡ ሓላፊ ቤ/ጽ ገንዘባዊ ጕዳያትን ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤ/ጽ ውደባን ኣብ ኣዳራሽ ዋዕላ

ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ንህልዊ ኵነታት ኤርትራ ዝገልጽ ጽሑፍ ንተጋባእቲ ዋዕላ ዓዲሉ። እቲ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ብሓደ ሸነኽ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈጸምዎ ውዕል ንኤርትራን ህዝባን ዘምጽኣሉ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ከምዘየለ ዝገልጽ ክኸውን ከሎ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕን ኢዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ ኤርትራ ከም ትማሊ፡ ቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ዘይብላ፡ ሓደ ውልቀ መላኺ ከም ልቡ ዝዕንድረላ፡ ናይ ፕረስ፡ ምዝራብ፡ ምእካብን ምውዳብን ናጽነታት ዝበዀረላ፡ ሰባት ብሃይማኖታዊ ይኹን ፖለቲካዊ እምነታቶም ዝህደኑላ፡ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ክህልዉላ ዘይድለዩላ፡ ሃይማኖታዊ ንብረትን ትካላትን ዝህገሩላን ህዝባ ግዳይ ስደትን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ዝዀነላ ሃገር ምዃና ዘረድእ ኢዩ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ኣብ ምትላም ናይ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ግብራዊ መደብ ዕዮን፣ ኣብ ምምራጽ ቦርድን ዝተፈላለዩ ንሰልፊን ኤርትራን ዘገድሱ ዛዕባታትን ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ጠረጴዛ ክትዓት ተኻፋልነቱ ዕዙዝ ነይሩ። ንሓደ ሰልፊ ሓደ ድምጺ ኣብ ዝብል ቅዋም ምሕዝነት ተመርኵሱ ሰዲህኤ ኣብ ምምራጽ ኣባላት ቦርድ፡ ምጽዳቕ ንድፍታትን ናይ ስራሕ መደብ ዕዮታትን ተሳቲፉ።

MA electing 1

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ እናድመጸ እንከሎ

ሰዲህኤ፡ ብ22 ግንቦት 2013 ኣብ ከተማ ላይፕዚግ፡ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ጕባኤ ኣባል ገስጋሲ ምሕዝነት ከምዝዀነ ዝዝከር ኢዩ። ብድሕር’ዚ፡ ኣብ ቱኒዝያ፡ ኣብ ሮተርዳም (ሆላንድ)፡ ኣብ ስቶክሆልም (ሽወደን) ዝተኻየደ ዋዕላታት ገስጋሲ ምሕዝነት ምክፋሉ ድማ ዝፍለጥ ኢዩ።

ካብ’ዚ ብምቕጻል፡ ጽሙቕ ዝበለ ሪፖርታጅ ናይ’ቲ ዋዕላ እንሆ።

**************************************

ሪፖርታጅ ዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ሽወደን

ካብ ኵሉ ክፍለ-ዓለም ዝመጹ ማሕበረ-ዲሞክራስያውንን ማሕበራውያንን ሰልፍታት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ካብ ዕለት 15-17 ሕዳር 2019 ኣብ ስቶክሆልም፡ ርእሰ-ከተማ ሽወደን ተኻይዱ።

ብዕለት 15 ሕዳር 2019 ብሽወደናዊ ኣቶ ዮሃን ሃሰል፡ ጀርመናዊ ኣቶ ኮንስታንቲን ቮይኖፍ፡ ኣውሃሃዲ ስርሓት ገስጋሲ ምሕዝነት፡ ጀርመናዊ ኣቶ ኮኒ ሮይተር፡ ዋና ጽሓፊ ናይ ሶሊዳር (SOLIDAR) ዝተመርሐን ኵሎም ኣባላት ገስጋሲ ምሕዝነትን ተሓባበርትን (associated members) ዝተወከልሉን ናይ ምምሕዳራዊ ኮሚቴ ኣኼባ: እዞም ዝስዕቡ ስራሕት ተሰላሲሎም።

  1. 40 ዝኣባላቱ ንዝመጽእ 3 ዓመታት ዝመርሕ ቦርድ ተመሪጹ፤
  2. ንውሳኔታት ዝቐረቡ ንድፍታት ተመያይጦምን ኣጽዲቖምን፤

ብድሕር’ዚ እቲ ቦርድ ተኣኪቡ፡ ብኣቦ መንበርነት ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ኣቶ ስተፋን ሎቨን፡ ተመሪሑ።

  1. ገስጋሲ ምሕዝነት ዝምርሓሉ ፖለቲካዊ መምርሒታት ተሊሙ፤
  2. ንኣባልነት ዝቐረቡ ጠለባት ሓደስቲ ሰልፍታት ውሳኔታት ሂቡ፤
  3. ሓድሽ ኣተሓባባርን (coordinator) ኦዲተርን መሪጹ፤ ኣተሓባባሪ ዝነበረ ኮንስታንቲን ቮይኖፍ ብኮኒሮይተርስ ተተኪኡ፤
  4. ንዝቐረበ ትልሚ ናይ ፖለቲካዊ ስራሕ ኣጀንዳ ኣድሚጹ፤ እቲ ኣጀንዳ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘጠቓለለ ነይሩ።
  • ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት ፖሊሲታት ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን፤
  • ንንቓባዊ ማሕበራትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝምልከት ስትራተጂታትን ኣህጕራዊ ምሕዝነታትን፤
  • ንክሊማ፡ ዕዮን ምድግጋፍን (Solidarity) ዝምልከት ስትራተጂታት፤
  • ንቃልስታት ኣንጻር መለኽቲ፡ የማናውያንን ህቡባውያንን ምንቅስቓሳትን ዝምልከት ስትራተጂታት፤
  • ናይ ሰላምን ኣህጕራዊ ምትሕብባር ብድሆታትን ዝምልከቱ ስትራተጂታት ኣጽዲቑ።

ንዅሉ ክፉት ዝዀነ ኣኼባ (Plenary Session)

ኣቶ ስተፋን ሎቨን፡ ኣቦ መንበር ማሕበረ ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ቀዳማይ ምኒስተርን ሽወደን፡ ነቲ ኵሉ ኣባል ገስጋሲ ምሕዝነት ዝሳተፈሉ ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል መልእኽትን ንዕላማታት ማሕበረ ዲሞክራሲ ንምዕዋት ዝዕድም መልዓዓሊ መግለጺ ብምቕራብን ከፊትዎ።

Stefan Lovfenኣቶ ስተፋን ሎቨን፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ሽወደን

ኣቶ ኣንቶንዮ ኮስታ፡ ዋና ጽሓፊ ማሕበራዊ ሰልፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ፖርቱጋልን “ሓድሽ ገስጋሲ መዋእል” ብዝብል ቴማ ወይ ኣርእስቲ መሰረታዊ መደረ (keynote speech) ኣቕሪቡ።

ብድሕር’ዚ፡ ኣብ’ቲ ቴማ ዝተመርኰሰ ናይ ጠረጴዛ ክትዕ ኣብ መንጐ እዞም ዝስዕቡ መራሕቲ ተኻይዶ።

  1. ስተፋን ሎቨን፡ ኣቦ መንበር ማሕበረ ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደንን፤
  2. ኣንቶንዮ ኮስታ፡ ዋና ጽሓፊ ማሕበራዊ ሰልፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ፖርቱጋልን፤
  3. ሪዛ ሆንቶርዮስ፡ ሰነይተርን ኣደ መንበርን ሰልፊ ተግባር ዜጋታት (Citizens’ Action Party (Akbayan)) ካብ ፊሊፒንስ፤
  4. ካርሎስ ሎፐዝ፡ ፕሮፈሰር ቤት ትምህርቲ ማንደላ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍርቃ፤
  5. ፓመላ ረንዲ ቫግነር፡ ኣደ መንበር ማሕበረ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኣውስትርያ፤
  6. ኡሎፍ ሹልዝ፡ ምኽትል ኣቦ መንበር ማሕበረ ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ምኽትል ቻንስለር ጀርመንን፤
  7. ማኒሽ ታዋሪ፡ ኣባል ፓርላማን ሃገራዊ ኣፈኛን ናይ ህንዲ ሰልፊ ጕባኤን (Indian National Congress)

Stefan and Schultz 20191115 144619

ኣብ የማን ስተፋን ሎቨን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደንን ማርቲን ሾልስ፡ ምኽትል ቻንስለር ጀርመንን

ነዚ ተኸቲሉ

  1. ክሊማዊ ልውጥታትን ጽልዋታቱ ኣብ ሕብረተሰብን፤
  2. ግሎባላዊ ውዕል ዕዮ ኣብ ዲጂታላዊ መዋእል
  3. ሰላምን ጸጥታን (Peace and security)

ብዝብል ቴማታት ሚኒስተራትን መራሕቲ ሰልፍታትን ዝተኻፈልዎ ናይ ጠረጴዛ ክትዕ ተኻይዱ። ንኣብነት ወይዘሮ ማግድለና ኣንደርሸን፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ናይ ሽወደን ሓንቲ ካብ’ቶም ዝተኻፈሉ ነይራ።

እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ነቲ ኣብ ቱርኪ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ሰልሓቲን ዲሚትራስ፡ ኣቦ መንበር ማሕበረ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ሽልማት ብምሃብን ናይ ደገፍ መግለጺታት ብምሃብን ኣኽቲሙ። ነቲ ሽልማት ከኣ በዓልቲ ቤቱ ንሰልሓቲን ዲሚትራስ ኢያ ተቐቢላቶ።

ንጽባሒቱ ቀዳም ዕለት 16 ሕዳር 2019 መራሕቲ መንግስታት፡ መራሕቲ ሰልፍታት፡ መራሕቲ ንቓባዊ ማሕበራትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ….ወዘተ ዝተኻፈልዎ ጽዑቕ ናይ ጠረጴዛ ክትዓት ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ቴማታት ተኻይዱ።

  1. ቀዳማይ ሚንስተር ሽወደን ዝተኻፈሎ፡ “ብድሆታት ማሕበረ ዲሞክራሲ ኣብ መዋእል ግሎባላውነት” ዝብል ቴማ፤
  2. ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ሽወደን ወይዘሮ ኣን ሊንደ ዝተኻፈለቶ፡ “ግሎባላዊ ፍትሒ” ዝብል ቴማ፤
  3. ዋና ጽሓፊት ማሕበረ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ወይዘሮ ለና ሮድስትሮም ብዩስታድ ዝተኻፈለቶ “ንሓደጋታት ክሊማዊ ለውጢ ንምቕልባስ ካብ ራኢ ናብ ተግባር ዘሰጋግር ቅኑዕ ጐደና”፤

ብድሕር’ዚ፡ በብኣጀንዳታት ዝተኸፋፈለ ብሓደ ግዜ ኣብ ሰለስተ ክፍልታት ን45 ደቓይቕ ዝወሰደ ናይ ጠረጴዛ ክትዓት ተኻይዱ።

  1. ካብ ሰዓት 13፡00 ክሳብ 13፡45 “ቃልሲ ንዲሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ክትዓት፡-

ሀ. ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ፤

ለ. ኣብ እስራኤልንን ፍልስጢምን ፤

ሐ. ኣብ ኢትዮጵያ (መግለጺ ዘቕረቡ ኣሕመድ ዓሊ ዝተባህለ ናይ ረድዮ መደብ ኣካያዲ ኣብ ስቶክሆልምን ትዝታ ኣብርሃምን እተባህለት ነርስን ኢዮም)።

  1. ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ ሰዓት 14፡45 ዝተኻየደ “ገስጋሲ ማዕበል ብኸመይ ነበጋግሶ” ዝብል መንቀሊ ዘለዎ ክትዕ፡-

ሀ. ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ፤

ለ. ኵነታት ቱርክን ሶርያን

ሐ. ንጾታዊ ማዕርነት ዝምልከት ገስጋሰን ንድሕሪት ዝጐቱ ተረኽቦታትን።

  1. ካብ ሰዓት 14፡45 ክሳብ 15፡15 “ናይ ሓባር ጸጥታን ልዝብ ምእንቲ ሰላምን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ክትዕ ከኣ፡-

ሀ. መንታ ሓደጋታት፡ ኑክልያራዊ ኣጽዋርን ክሊማዊ ለውጥታትን፤

ለ. ማሕበራዊ ልዝብ፤

ሐ. ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰላምን ጸጥታን

ኣብ ዝብሉ ኣጀንዳታት ኢዩ ተመያይጡ።

ኣብ’ቲ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኵሉ ተጋባኢ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ተኣኪቡ፡ ናይ ቀደም ናይ ሽወደን ሚኒስተር ወጻኢ ዝነበረ ያን ኤሊሰን ዘቕረቦ “ግሎባላዊ ዝምባለታትን (trends) ሓባራዊ መልስታትን ብዝብል ኣርእስቲ መደረ ኣቕሪቡ።

Jan Elliassonያን ኤሊሰን፡ ናይ ቀደም ናይ ሽወደን ሚኒስተር ወጻኢ ዝነበረ

ኣብ ዕለት 17 ሕዳር 2019

  1. ምስ ክሊማዊ ፖሊሲታት ዝምድና ዘለዎ ጕዳያት ሰብኣዊ መሰላት። ኣብ ልዕሊ ክሊማ ዝግበር ገበናት፡ ዘኽስስ ገበን ንምግባሩ፤
  2. ሓምላይ ቍጠባ፣ ሕልሚ ድዩ ወይስ ክግበር ይከኣል ኢዩ።
  3. ገስገስቲ ምንቅስቓሳትን ናይ ለውጢ ናውትን

ኣብ ዝብሉ ቴማታት ተመያይጦም። በዚ እቲ ዋዕላ ብዓወት ተዛዚሙ።

Last modified on Tuesday, 19 November 2019 11:46